“ ወገብረ ሰላመ በደመ መስቀሉ/ ብደም መስቀሉ ሰላም ገበረ።” (ቈላ. 1፥19-20)

Sep 26, 2018

* ኣመጻጽኣ መስቀል

መስቀል ማለት ‘ሰቀለ’ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝተረኽበ ኮይኑ ትርጕሙ ድማ ዝተመሳቀለ መስቀለኛ ማለት እዩ። ኣይሁዳውያን ‘ርጉም ውጉዝ ገበነኛ እዩ’ ንዝበልዎ ሰብ ብሰይፊ (ዘፀ. 21፥14)፣ ብእሳት (ዘሌ. 20፥14) ፣ ብውግረተ እብን (ዘሌ. 20፥27)፡ ኣብ መስቀል ብምስቃል . . . ይቐጽዕዎ ነበሩ። /ዘዳ. 21፥22)

ንንጹሐ ባህርይ ሓንቲ በደል ዘይተረኽቦ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንምቕታል ዝተጠቕምሉ መንገዲ ድማ ስቕለት ነበረ። መከራ ኣጽጊቦም፡ ኣእዳውን ኣእጋሩን ሸንኪሮም፣ ኣብ መስቀል ሰቐልዎ። ጎድኑ ብኵናት ወግእዎ። ገበነኛ እዩ ንኽብሉ ‘‘ኢየሱስ ናዝራዊ ንጉሠ አይሁድ’’ ዝብል ጽሑፍ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ጸሓፉ። ብፍቓዱ’ውን ሞተ።

በዚ ኸኣ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክቡር ደሙ ዝፈሰሰሉን ቅዱስ ሥጋኡ ዝተቈርሰሉን ስለዝኾነ፡ መስቀል ትእምርተ መርገም ምዃኑ ተሪፉ መግለጺ ክብርን በረኸትን ኾነ፣ ትእምርተ ኀፍረት ምዃኑ ተሪፉ ምልክት ናጽነት፡ ድኅነትን ሕይወትን ኮነ።

* ትንቢትን ምሳሌን

ነገረ መስቀል ብብዙኅ ትንቢት ተነጊሩ እዩ። ብብዙኅ ኅብረ አምሳልውን ተመሥጢሩ እዩ። ኣቦና ኣዳም በደሉ ኣሚኑ ብኃዘንን ብኽያትን ምስ ለመነ፡ መፍቀሬ ንስሐ እግዚአብሔር ብዓይነ ምሕረት ጠሚቱ ፥ ‘‘ እትቤዘወከ በመስቀልየ ወበሞትየ/ ብመስቀለይን ብሞተይን ክብጀወካ እየ’’ ዝብል ተስፋ ሃቦን ቃል ኪዳን ኣተወሉን። (አክሲማሮስ ዘዓርብ፣ ቀሌ. 13 )

ነቢየ እግዚአብሔር ቅዱስ ዳዊት’ውን “ወወሃብኮሙ ትእምርተ ለእለ ይፈርሁከ ከመ ያምስጡ እም ገጸ ቀስት” (መዝ. 59፡4) ክብል ከሎ ብክርስቶስ ክርስቲያን ብወልድ ውሉድ ዝተባህሉ ምእመናንን ምእመናትን ካብ ኃጢኣት፡ ኣጋንንት፡ መናፍቃንን ፍትወታት እኩያትን ብትእምርተ መስቀል ዓወት ከምዝረኽቡ ንምርዳእ እዩ።

ብኅብረ ኣምሳል ስለ ነገረ መስቀል ብዙኅ ተመሥጢሩ እዩ። ዕፀ ሕይወት (ዘፍ.3፡22)፣ ኖኅ ምስ ሥድራ ቤቱ ዝደኃነላ መርከብ (ዘፍ. 6፡14-22)፣ ‘ወአስተኀለፈ እዴሁ ወባረኮሙ/ ኣእዳዉ ኣመሳቒሉ ባረኾም’
ከምዝብል (ዘፍ. 48፥14) ኣቦና ያዕቆብ ንደቂ ዮሴፍ ዝባረኸሉ ምልክት፣ ባሕረ ኤርትራ ዝኸፈለት በትረ ሙሴ (ዘፀ. 14፡16)፡ ሙሴ ኣብ በረኻ ንኣስራዚ ተመን ዝሰቐለሉ ዕንፀይቲ (ዘኁ. 21፡8-9)፡ ኣቃውማ ሙሴ ንጸሎት (ዘፀ. 17፡11-17) . . . ወቦ ዘተርፈ።

* በረከተ መስቀል

እግዚአብሔር ዝሃቦ ተስፋን፡ ነቢያት ዝተነበይዎ ትንቢትን ንምፍጻም፡ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ መልዕልተ መስቀል ተሰቂሉ ቅዱስ ሥጋኡ ቈረሰልና፡ ክቡር ደሙ’ውን ኣፍሰሰልና፡ ክብርቲ ነፍሱ’ውን ብፍቓዱ ኣኅለፈልና። በዚ ኣብ መስቀል ዝፈጸሞ ተበጃውነት ድማ ብዙኅ ጸጋን ክብርን ረኸብና።

ብምኽንያት ኃጢኣተ ኣዳም፡ ካብ ኣዳም ክሳብ ሙሴ (እስከ ክርስቶስ) ኣብ ዝበደሉን ዘይበደሉን ሞት ነጊሡ ነበረ። (ሮሜ 5፡14) ኃጢኣት ብዘርኢ እናተመኃላለፈ፡ ብመርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን ተኣሢርና ብርደተ መቃብር ርደተ ገሃነም፡ ብሞተ ሥጋ ድማ ሞተ ነፍስ ተፈሪድና ኵልና ንመውት ነበርና።

ክርስቶስ ኣምላኽና ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱን ሥጋና ተዋሒዱን ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ኃጢኣትና (መርገምና) ስለዝተሰከመልና ግና ሞት ተሳዒሩ ሕይወት ረኺብና። (ሮሜ 6፥6)

ኣቐዲሙ ነቢይ ኢሳይያስ ኣብ ትንቢቱ ምዕራፍ 53፥4-5 ከምኡ’ውን ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ‘‘ ወለነሰ ተሣየጠነ ክርስቶስ እመርገማ ለኦሪት በዘወድአ በእንቲአነ ወፆረ መርገማ እስመ ከመዝ ይቤ መጽሐፍ ርጉም ውእቱ ኵሉ ዘስቁል ዲበ ዕፅ ከመ ይግባእ በረከተ አብርሃም ላዕለ አሕዛብ በእንተ ኢየሱስ ክርስቶስ ወንርከብ ተስፋሁ ለመንፈስ ቅዱስ በአሚን በክርስቶስ/ ንኣናስ ክርስቶስ ምእንታና ኃሊፉ መርገምና ብምፅዋር ካብ መርገም ኦሪት ኣድኃነና። መጽሐፍ ከምዚ ኢሉ እዩ እሞ ኵሉ ኣብ ዕንፀይቲ ዝተሰቕለ ርጉም እዩ። ብኢየሱስ ክርስቶስ፡ በረኸት ኣብርሃም ምእንቲ ንኣሕዛብ ክኸውን ንሕና’ውን ንክርስቶስ ብምእማን ምእንቲ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ኽንረክብ እዩ።’’ ብምባል ካብ መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን ናጻ ከምዝኾንና ይገልጽ። (ገላ. 3፥13-14)

ኃይለ እግዚአብሔር ዝተገልጸ፡ ግብረ ምድኃን ዝተፈጸመ ኣብ መልዕልተ መስቀል ብምዃኑ ‘‘ንሱ ንርእስኻ ክቕጥቅጥ እዩ’’ ተባሂሉ ከምዝተነግረ፡ ጐይታ ንዲያብሎስ ዝቐጥቀጦ ብመስቀሉ እዩ። (ዘፍ. 3፥15)። ኵልና ብእኡ እንኣምን’ውን ንዲያብሎስ እንቕጥቅጠሉ ኃይልና መስቀል እዩ።

ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን ሰብን፡ መላእኽትን ሰብን ፣ ሥጋን ነፍስን፣ ሕዝብን ኣሕዛብን ሰላም ዝተረኽበ ብናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቤዛነት ብምዃኑ መስቀል ትእምርተ ሰላም እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ‘‘ ወገብረ ሰላመ በደመ መስቀሉ ለዘበሰማይ ወለዘበምድር/ ብደም መስቀሉ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ንዘለዉ ሰላም ገበረ።” (ቈላ. 1፥19-20) ይብል እሞ ኣብ መልእክቱ ናብ ሰብ ኤፌሶን ድማ “ ንሱ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ናይ ጽልኢ መንደቕ ብሥጋኡ ብምፍራስ ነቶም ኽልተ ሓደ ዝገበረ ሰላምና እዩ። . . . ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ብሙማት ነቲ ጽልኢ ደምሰሶ።” (ኤፌ. 2፥13-14) ይብል።

ስለዚ፡ መርገምና ዝተደምሰሰሉን ሞት ዝተሳዕረሉን መንደቕ ጽልኢ ዝፈረሰሉን፡ . . . ወቦ ዘተርፈ ግብረ ቤዛነት ዝተፈጸመ ኣብ መልዕልተ መስቀል ስለዝኾነ፣ መስቀል ንዘለዓለም ትእምርተ ሰላምን ዓወትን ኃይልን ጽንዓትን . . . ኮይኑ ይነብር።

* ክብረ በዓል መስቀል

በዓለ መስቀል ዓመታዊ 17 መስከረም ብድምቀት ይኽበር። ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ናይዚ በዓል ሰፊሕን ዓሚቕን እዩ። ብስቕለት ጐይታ ዝኸበረን ደመ መለኮት ዝፈሰሶን መስቀል ከም ፀሓይ እናኣብርሀ ሕሙማት ይፍውስን ምዉታን የተንሥእን ስለዝነበረ፡ ኣይሁድ ብቅንእን ክፍኣትን ተላዒሎም፡ ዓሚቝ ጕድጓድ ኣዅዒቶም ቀበርዎ። ንኸይርከብን ስመ ዝክሩ ንኸይልዓልን ድማ ኵሎም ነበርቲ ኢየሩሳሌም ጐሓፍን ርስሓትን ዘበለ ኵሉ ኣብ ልዕሊኡ ንኽጕሕፉ ኣዘዙ። እቲ ዝቐበሩሉ ቦታ ኸኣ ክሳብ ጎቦ ዝኸውን ንኣስታት ሠለስተ ክፍለ ዘመን (300 ዓመት) ደፈንዎ።

ኣብ 4ይ ክፍለ ዘመን፡ ኣብ ቍስጥንጥንያ ንጉሥ ቈስጠንጢኖስ ኣብ ዝነገሠሉ ጊዜ ግና ኣደኡ ንግሥት እሌኒ ነቲ ንኣስታት ሠለስተ ሚእቲ ዓመት ዝተቐብረ መስቀል ንኽትደሊ ሠራዊትን ተሓጋገዝትን ኣኸቲላ ናብ ኢየሩሳሌም ኣተወት። ብጸሎትን ብምሉእ ተስፋን ብዝገበረቶ ከቢድ ጻዕሪ ኪራኮስ ዝበሃል ሽማግለ “ናይ ጐይታ መስቀል ኣብ ቀራንዮ ምህላዉ ኣቦታትና ይነግሩና ነይሮም” ብምባል ናብ ጎልጎታ ሓበራ። ንሳ ድማ ፈልዩ ነቲ ቦታ ንምሕባር ዕንፀይቲ ኣኪባ፡ ሓዊ ኣንዲዳ፡ ዕጣን ኣትከኸት። እቲ ትኪ ዕጣን ኸኣ ኣብ’ቲ መስቀል ተቐቢርዎ ዘሎ ቦታ ወሪዱ ምልክት ኣርኣየን ሰገደን። ኣብዚ ቦታ ድማ 17 መስከረም ኵዕታ ተጀሚሩ ድኅሪ ብዙኅ ድኻም ከኣ 10 መጋቢት መስቀል ተረኽበ።

ንግሥቲ እሌኒ ተቐቢሩ ዝነበረ መስቀል ብምርካባ ስለ ዝተሕጐሰት፡ ኣብ ቅዱሳት መካናት ኣብያተ ክርስቲያን ኣሕነፀት። ዝተሓንፃ ኣብያተ ክርስቲያን ብዕለተ 16 መስከረም ተባሪኸን፡ ብዓቢይ ክብሪ ቅዳሴ ቤቱ ተኸብረ። በዚ መሠረት ድማ ዓመት መጽአ 17 መስከረም ንግሥቲ እሌኒ ዕጣን ኣትኪኻ ንመስቀል ከም ዝረኸበቶ ንምዝካር ዳሜራ ጌርናን ሽግ ኣብሪህናን ነኽብሮ። ኣይሁድ እኳ እንተ ኸሓድዎ ንሕና ግና ከምቲ እቲ ትኪ ዕጣን ዝሰገደ ንሰግድ። መስቀል ኃይልና እዩ፡ መስቀል ጽንዓትና እዩ፡ መስቀል ቤዛና እዩ፡ መስቀል መድኃኒ ነፍስና እዩ” እናበልና’ውን ንዝምረሉ።

* ሃይማኖታዊ ባህልን ሥርዓትን መስቀል

ብሓፈሻ መስቀል ብትንቢት ዝተነግረ፡ ብኅብረ አምሳል ዝተመሥጠረ፡ ብደም ክርስቶስ ዝኸበረ፡ ቤዛነትን ድኅነትን ስለዝተፈጸመሉ ብዝተፈላለየ ሥርዓት ንገልጾን ነኽብሮን። ቤተ ክርስቲያን ብዘይ መስቀል ኣይትከልን’ዩ። ካብ ጉልላት ክሳብ መሠረት ምልክት መስቀል እዩ። ካህናት መስቀል ይኅዙ፣ ብእኡ’ውን

ይባርኹ። ሕዝበ ክርስቲያን ውን መስቀል ይሳለሙ፣ ኣብ ኵሉ ሕይወቶም ኽጅምሩን ኽፍጽሙን ብትእምርተ መስቀል የማዕትቡ፣ ኣብ መስቀል ብዝተኸፍለ ዋጋ ተዓዲጎም እዮም እሞ ኣብ ክሳዶም ይኣስርዎ፣ ኣብ ክዳውንቶምን ንብረቶምን ድማ ይስለምዎን ይሥእልዎን።

* መዛዘሚ

ምልክት ምግባር ጥራሕ ዘይኮነ’ውን ጣዕምን ፍቕርን መስቀሉ ኣብ ልብና ከነኅድር፣ ብፍኖተ መስቀሉ ክንጓዓዝ ከምኡ’ውን ወትሩ ጣዕሚ መንግሥተ ሰማያትን ምረት ገሃነም እሳትን እናዘከርና ብሠናይ ግብሪ ተጸሚድና ብጸሎት ክነቅሕ ይግባእ። በቲ ደሙ ዘፍሰሶ መስቀሉ ሰላሙ ክህብ ስለ ሃገርን ዓለምን ምጽላይ ዝግባእ እዩ። ነዚ ኽገልጽ ከሎ “ ኅሡ ሰላማ ለሀገር . . . ወጸልዩ በእንቲአሃ ኀበ እግዚአብሔር እስመ በሰላመ ዚአሃ ይከውን ሰላምክሙ/ ንሳ ብሰላም ኽትነብር እንተኸኣለት ኢኹም ሰላም ትረኽቡ እሞ ናይ ሃገር ሰላም ድለዩ፡ ምእንትኣ’ውን ናብ እግዚአብሔር ጸልዩ” (ኤር. 29:7) ይብል። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብወገኑ “ጸልዩ ላዕለ ኵሉ ሰብእ ወላዕለ ኵሉ ነገሥት ወመኳንንት ከመ በኅዱእ ወበጽምው ይኩን ንብረትነ በኵሉ ጽድቅ ወንጽሕ/ ህዱእን ሰላማውን ሕይወት ምእንቲ ኽንነብር ከኣ ምእንቲ ኵሎም ነገሥታትን ሰበ ሥልጣንን ጸልዩ” ብምባል ወትሩ ስለ ሃገርን ዓለምን፣ ስለ ንጉሥን ሠራዊቱን፣ ስለ ሕዝብን መኳንንቲ መራሕቲ ሕዝብን ምጽላይ ከምዝግባእ ይነግረና።

ንኸምዚ ዝበለ ጸሎት ልዑል እግዚአብሔር ኢዱ ዘርጊሑ ገጹ ኣብሪሁ ከም ዝቕበሎ እሙን እዩ። እንሆ ድማ መርኣያ ናይዚ ሕዝበ ኤርትራን ሕዝበ ኢትዮጵያን ዘዕረግዎ ጸሎትን ምህለላን መልሲ ረኺቡ ‘ድኅሪ 20 ዓመት’ ኣብ ክልተአን ሃገራት ብሥራተ ሰላም ተሰሚዑን ጉዕዞ ልምዓት ተጀሚሩን ኣሎ።

ነዚ ሰላም’ዚ ፍጹም ክገብረልናን ጽንዕቲ ኢዱ ከንብረሉን ንእግዚአብሔር ኣበርቲዕና ክንልምኖ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተዘኻኽር።

ንሃገርና ክልልት በግርማ ሕጽርት በመንፈስ ቅዱስ ይግበረልና፡ ዓውደ ዓመትና ይባርኸልና። እዚ በዓልናን እዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዓመትን፦ ዕርቀ ሰላም ዝነግሠሉ፣ ዝረኃቑ ዝቐርብሉ፡ ዝተበኣሱ ዝዕረቕሉ፡ ሃይማኖት ዝጸንዓሉ፡ ሥነ ምግባር ዝዓብየሉ፡ . . . ብሓፈሻ ዓመተ ሰላምን ፍቕርን ክኾነልና ናይ ልዑል እግዚኣብሔር ቅዱስ ፍቓድ ይኹነልና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ ኣሜን።

No events found.

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ብርሃነ ዓለም፡ ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን፡ ንዋየ ኅሩይ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ

ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ዓሌቱ ዕብራዊ ኾይኑ ኣብ ከተማ ጠርሴስ ተወሊዱ። ሮማውያን ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዚመሓደሩ ሕዝቢ፡ ሮማዊ ዜግነት...

ኰኵሐ ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ

ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱሳን ሓዋርያት: ብኸመይ ከም እተጸውዑን ክሳዕ ዕርገት ዝነበርዎ ኵነታትን ኣብ ኣርባዕቱ ወንጌል፡ ድኅሪ ዕርገትን ክሳዕ መጀመርያ ስሳታትን...

ዓምደ ሃይማኖት ወማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ቄርሎስ

ቅዱሳን አበው ሊቃውንት፡ ከም መጠን ስፍሓት ኣእምሮኦምን ጽንዓት ሃይማኖቶምን መንፈስ ቅዱስ ገሊጽሎም መንፈሳውያን ድርሳናት፡ ተግሣፃት፡ መድበላት ዝጸሓፉ፣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ...

ብመስቀሉ ክዘንመልና እዩ ፈውሰ ምሕረቱ

እስከ ኽንዛረብ ምእንትዚ ተላቢዑ ዘሎ ኮሮና ሕማምእግዚአብሔር ንሰብ ክፈጥሮ ከሎ ብተድላ ብደስታ ክነብር እምበር ኣይነበረን ክሳቐ ብሕማምምናልባት ነዚ ሰብ ዘጽሕን...

ቅዱስ ሓዋርያ ታዴዎስ፦ “ነዚ እዩ ጐይታ ሃብታም መንግሥተ ሰማያት ካብ…

ታዴዎስ ማለት ዘርእን ማእረርን፡ ካህነ ኣምላኽ ማለት እዩ። ቍጽሩ ምስ ዓሰርተው ክልተ ሓዋርያት ኮይኑ ሃገረ ስብከቱ ሶርያ እዩ። ሊቀ ሓዋርያት...

አሥርቆት ዘወርኀ ሐምሌ

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ሐምሌ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ነሐሴ በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ሐምሌ ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፬ቱ ሰዓት ወሌሊቱኒ ፲ቱ...

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ካብ ከተማ ደቀምሓረ ንደቡብ 25 ኪሎ ሜትር ኣብ ከባቢ...

“ብኃጢኣት ሕዝበይ እየ ኣብ ኢድኩም ኣውዲቐያ!”

ገቢረ ተአምራት ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም፡ ተነጊሩ ዘይጽገብ ተጻሒፉ ዘይፍጸም እዩ። ካብ ፅንሰታ ዝጀመረ ገቢረ ተአምራት ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ በቲ...

"ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር/ ንምድሪ ዝናም የዝንመላ” “መዝ. ፻፵፮፥፰/147፡8

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ንዓመት ኣብ ኣርባዕተ ወቕትታት ማለት ዘመነ መፀው፡ ዘመነ ሓጋይ፡ ዘመነ ፀደይ ከምኡ ውን ዘመነ ክረምት ብምባል ትኸፍሎ። 

እንቋዕ ናብ ዘመነ ክረምት ብሰላም ኣብጽሓና!

ዘመነ ክረምት  ካብ 26 ሰኔ ክሳዕ 25 መስከረም ዘሎ ወቅቲ ጊዜ ክረምቲ እዩ። ሰማይ ብደመና ተሸፊኑ፡ ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ...

“ብፁዕ ዘይሌቡ ላዕለ ነዳይ ወምስኪን/ ንድኻ ዝሓልየሉ ሰብ ብፁዕ እዩ”(መዝ…

ንሕይወተ ሥጋ ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት ማይ፡ እንጌራ፡ ክዳን፡ መኅደሪ ቤት እዮም። (ሢራ. 29፡21) ብቐዳምነት ነዚኦም ዘይረኸቡን ዘይብሎምን ሰባት “ጽጉማት” ይበሃሉ። ብተወሳኺ’ውን...

ገዳም ደብረ ሲና

ገዳም ደብረ ሲና፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ከባቢ መንሳዕ፡ ካብ ዒላበርዕድ ንሸነኽ ምሥራቕ ብእግሪ ናይ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን...

  

latest articles

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...