መልእክቲ ጽንዓት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ!

May 29, 2018

ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፡ ብምኽንያት ዘጋጠመ ሓደጋ መኪና ንሕዝበ ክርስቲያን ዘመኃላለፎ ‘ናይ ጽንዓት ይሃብኩም’ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፥

“ኦ መስተምሕርት አስተምሕሪ ኀበ ወልድኪ ከመ ያዕርፍ ነፍሰ ኵሎሙ ሕዝበ ክርስቲያን እለ አዕረፉ እማኅበረ ቤተ ክርስቲያን መቅድመ/ ኦ ኣማላዲት ነፍሲ ዅሎም እቶም ኣቐዲሞም ካብ ማኅበር ቤተ ክርስቲያን ዝሞቱ ሕዝበ ክርስቲያን ምእንቲ ከዕርፍ ናብ ወድኺ ኣማልዲ!

ዓመት መጽአ 21 ግንቦት ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ሲና ከም ዝንገድ፡ እንሆ ሎሚ ዓመት’ውን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሕዝበ ክርስቲያን በረኸት እግዚአብሔር ንምርካብን ፍቕሪ ክብርቲ ወላዲተ ኣምላክ ንምግላጽን ካብ ርኁቕን ቀረባን ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብእግሪ ኮነ ብመኪና ናብ ገዳም ደብረ ሲና ከም ዝነገዱ ይፍለጥ።

ሎሚ ዓመት ኣብ ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ሲና ንምስታፍ ብዕለት 20 ግንቦት 2010 ዓ.ም. (28/05/2018 ዓ.ም.ፈ) ብኣውቶብስ መኪና ይጓዓዙ ኣብ ዝነበሩ ነጋድያን ዘጋጠመ ከቢድ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ሕዝብና ዝፈጠሮ ስንባደን ኃዘንን ብቃላት ዘይግለጽ ኣዝዩ መሪር እዩ። እዚ ብምግምጣል ኣውቶብስ ዘጋጠመ ሓደጋ’ዚ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ካብ ኣሥመራ ኣብ ኣስታት 52 ኪ.ሜ. ከባቢ ሽንድዋ ኮይኑ ብኡ ንብኡ ካብቶም ነጋድያን 33 ሰባት ክሞቱ ከለዉ፡ 11 ሰባት ድማ ብከቢድ ቈሲሎም ይሕከሙ ኣለዉ።

ዕላማ መገሻኦም ንሕዝብን ሃገርን ንዅሉ ዓለምን ሰላምን ምሕረትን ንኽልምኑ፣ ብዝማሬ፡ ውዳሴን ቅዳሴን ነቒሖምን ተጊሆምን ንእግዚአብሔር ከስምሩ፣ ኃጢኣቶም ከስተሥርዩ፡ መብጽዓኦም ክፍጽሙን . . . እዩ ነይሩ። ብዓይኒ ሥጋ ክርአ ከሎ ካብ ዕላማኦም ዝተኾልፉን ዝኸሰሩን እኳ እንተመሰለ፡ ብዓይኒ መንፈስ ግና ልዑል እግዚአብሔር ንዝበለጸ ዓስብን በረኸትን ከምዝመረጾም ከምኡ’ውን ካብታ በኪደተ እግር ብጻዕርን ድኻምን ክበጽሕዋ ዝሓሰቡ ገዳም ደብረ ሲና እትበልጽ ናብታ ጻዕርን ድኻምን ዘይብላ ሰማያዊት ቤት ከምዝጸውዖም ብፍጹም ልብና እንኣምኖ እዩ። ከመይ’ሲ “ዘጸውዐ ስመ እግዚአብሔር ውእቱ ይድኅን/ እቲ ስም እግዚአብሔር ዝጽውዕ ዘበለ ኪድኅን እዩ” ከምዝብል ካብ ቤቶም ክወፅኡ ከለዉ ጀሚሮም ክሳዕ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ዘሎ ጊዜ ብፍቅረ እግዚአብሔርን ጣዕሚ ድንግል ማርያምን ተመሊኦም ብመንፈሳዊ ሓበን “ጐይታየ፡ ማርያምየ . . . ” ኢሎም ይዝምሩን ብሰማያዊ ተመስጦ ስመ እግዚአብሔር ይጽውዑን እዮም ነይሮም።

ስለዚ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነቶም ዝሞቱ ኣብ መካነ ዕረፍቱ ንከእትዎም ብጸሎተ ፍትሐት፡ ነቶም ዝተጐድኡ ከኣ ቅልጡፍ ምሕረት ክረኽቡ ጸሎት በእንተ ድዉያን . . . እናጸለየት ትዝክሮም ኣላ ኽትዝክሮም’ውን እያ። ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ድማ ብጸሎት ኽዝክሮምን ብቃለ ምዕዳን ንሥድራቤቶም ከጸናንዕን ከኣ ትምዕድ።

በዚ መሠረት፡ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ትንሣኤን ሕይወትን ናዛዜ ኅዙናንን ዝኾነ እግዚአብሔር ኣምላኽ ነቶም ዝዓረፉ ዕረፍተ ነፍስ መንግሥተ ሰማያት የዋርስኩም፣ ነቶም ብከቢድ ቈሲልኩም ትሕከሙ ዘለኹም ድማ ብፈውሰ ምሕረቱ ይብጻሕኩም ፣ ንሥድራ ቤትን ንኵሉ ሕዝበ ክርስቲያንን ከኣ ጽንዓት ይሃብ።

* * *

ዘመነ ዮሐንስ፦ 1 ታኅሣሥ 2012 ዓ.ም…

December
Wednesday
11
ዝክር፦ ኤልያስ፡ ወናቡቴ፡ ወአባ ጴጥሮስ፡ ወአባ ዮሐንስ፡ ወአትናቴዎስ፡ ወያዕቆብ፡ ወጴጥሮስ፡ ወኤልያስ መነኮስ፡ ወቤርሳቤኅ። ዘቅዳሴ ምንባብ፦ ሮሜ 11፡1-12። ያዕ. 5፡12-ፍጻሜ። ግብ. ሐዋ. 3፡19-ፍጻሜ። ምስባክ፦ መዝ. 104/105። ወንጌል፦ ሉቃ. 4፡24-32። ቅዳሴ፦ ዘእግዝእትነ ማርያም። * * *
00:00 h

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ዓመታዊ በዓል ቤተ ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ኤፍራታ ብመሳጢ መንፈሳዊ መደባት…

28 ኅዳር 2012 ዓ.ም.፡ ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ኤፍራታ ቅዱስ ዑራኤል ቤተ ክርስቲያን ቀሓውታ፣ “ንቤተ ክርስቲያነይ ኣብ ልዕሊ...

አሥርቆት ዘወርኀ ዘታኅሣሥ

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ታኅሣሥ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ጥር በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ታኅሣሥ ቡሩክ መዓልቱ ፱ ወእምዝ ይትዌሰክ። ሎሚ ቡሩኽ...

ገዳማት ደብረ ምዕዋን ወደብረ ኰዳዱ ኣቡነ ብፁዐ ኣምላክ !

ያፍቅረነ እግዚእን ዘመደ ማርያምን ዝበሃሉ ፍቅረ እግዚአብሔር ዘለዎም ብሃይማኖት ጽኑዓትን ብሥነ ምግባር ትጉሃትን ሰብ ኃዳር ነበሩ። ወትሩ ብጸሎት ንቑሓት ስለዝነበሩ፡...

ይትዔገሥ ከመ ዘኢየአምር

 ከም ዘይፈልጥ ይዕገሥ!” (ቅዳሴ ሠለስቱ ምእት ቍ. 59-60) እግዚአብሔር፡ ብባህሪኡ ከሀሌ ኵሉ፡ ማእምረ ኵሉ፡ ምሉእ በኵለሄ እዩ። “አኃዜ ዓለም በእራኁ ኵሉ እኁዝ...

“ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና” ነህ. 10፡39

ተረፈ ምርኮን ካብ ምርኮ ዝተመልሱን እስራኤላውያን ብመሪሕነት ካህን ዕዝራን ነህምያን ኃይለ እግዚአብሔር ተዓጢቆም፡ ዝፈረሰ ቤተ መቅደስን፡ ዝዓነወ ቐጽሪ ኢየሩሳሌምን መቓብር...

ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ ሰማዕት

ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ ሰማዕት ካብቶም ፍርሃት እግዚአብሔር ዝነበሮም፡ውላድ ግና ዘይነበሮም ሊቀ ካህናት ቴዎድሮስን ቅድስት ሶፍያን ኣብ ሃገረ ግብጽ ተወሊዱ። ኣብ በዓል...

ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዕቁበ ጊዮርጊስ

“ሊቀ መዘምራን፡ መልኣከ ገነት፡ ደራስን ተመራማርን፡ ኣቦ ሰላም፡ . . . ብዝብል ቅጽል ስም ዝፍለጡ ሓበን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን...

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ኣብ ጉባኤ ማኅበር ኣብያተ ክርስቲያናት…

ካብ 22-26 ታኅሣሥ 2012 ዓ.ም. (2-6/12/2019 ዓ.ም.ፈ) ኣብ ሃገረ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ዝተቓንዐ ጉባኤ ማኅበር ኣብያተ ክርስቲያናት መላእ ኣፍሪቃ (ALL...

ሥልጠና ተሓጋገዝቲ ሰበኽቲ ወንጌል ተዋሂቡ!

ካብ 15-23 ኅዳር 2012 ዓ.ም. ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንን ሜላ ስብከተ ወንጌልን ዘተኮረ ሥልጠና  {tip title="ተሓጋገዝቲ ሰበኽቲ ወንጌል" content=""}ንተሓጋገዝቲ ሰበኽቲ...

ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ፈለስቲ ሰፍኣ…

ብዕለት 20 - 21 ኅዳር 2012 ዓ.ም.ግ. ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ሊቀ ጳጳስ ኣህጉረ ስብከታት ጋሽ ባርካን ድባርዋን ከባቢኣን ናብታ ካብ...

“ሰማዕት ቅዱስ ፒሉፓዴር መርቆሬዎስ”

ፒሉፓዴር ማለት ፈታዊ ኣቦ ማለት እዩ፡ ብኻልኣይ ትርጕሙ ከኣ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ’ውን መርቆሬዎስ ማለት እዩ። ስመ ክርስትና ናይ ኣቦኡ...

ዕሥራን ኣርባዕተን ካህናተ ሰማይ

ብርግጽ ኣብ ዙርያ ዝፋን ጐይታ ዚቖሙን ዘመስግኑን ክቝጸሩ ዘይከኣሉ ኣእላፈ ኣእላፋት ሠራዊተ መላእክት ከምዘለዉ በዓል ራእይ ነቢይ ዳንኤል(ዳን. 7፡10) ደኣ...

  

latest articles

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...

EXISTENCE OF GOD

The name God signifies the Divine Being, meaning He who created the world and governs it. There is one invisible...