መልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን

Sep 26, 2015

"ናብ ኵሉ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ኸኣ ወንጌል ስበኹ" (ማር. 16፥15/ ፲፮፥፲፭)

ቅድመ ዓለም ብሓድነቱን ሠለስነቱን ጸኒዑ ብልቢ ዝሓሰቦ፡ ድኅሪ ዓለም ድማ ብኣፍ ቅዱሳን ነቢያት ዘናገሮ ንምፍጻም ካብ ሠለስተ ኣካላት ሓደ ኣካል እግዚአብሔር ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ለቢሱ፡ 3ተ ዓመትን 3ተ ወርኅን ኣብዚ ምድሪ ክሰብኽ ከሎ "ናብ ኵሉ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ኸኣ ወንጌል ስበኹ" (ማር. 16 ፥15/ ፲፮፥፲፭) ክብል ሓደራን ኃላፍነትን ንቅዱሳን ሓዋርያት ሃበ። ልዕሊ ኵሉ እዚ ኃለፍነት እዚ ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እዩ።

ነቲ ንጹሕ ክርዳድ ዘይብሉ ትምህርተ ሃይማኖትን ስብከተ ወንጌልን ናብ ኵሉ ዓለም ምብጻሕ፣ ኵሉ ሰብ ብሃይማኖት ክነብርን ብእኡ ክጸንዕን ንሠናይ ፍሬ ጽድቅ ክተግህን በታ ሓንሳእ ንቅዱሳን ዝተዋህበት ጥንታዊት መንገድን ቅንዕቲ ጐዳናን ተመላሊሱ ዕረፍቲ ነፍሲ መንግሥተ ሰማያት ንኽወርስ ክትምህርን ክትጓስን ኃላፍነታ'ዩ። (ይሁዳ ፥3፣ ኤር. 6፥16)

በዚ መሠረት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብዝተፈላለየ መንገዲ ስብከተ ወንጌልን ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ብምሃብ ኃላፍነታ ክትፍጽም ጸኒሓ እያ፡ ሕጂ ውን ኣላ፡ ንመጻኢ ድማ ክሳዕ ዳግማይ ምጽኣተ ክርስቶስ ክትቅጽል'ያ። ኣብ ቀረባ ንዘለዉ ጉባኤ ሠሪዓ፡ መንበር ዘርጊሓ፡ ብቑዓት መምህራን መዲባ ኣብ ዓውደ ምሕረት እናሰበኸት፡ ኣብ ርኁቅ ዘለዉ ኸኣ ብብዙኅ ጻዕርንን ድኻምን ብጽሑፍ እናገበረት መልእኽታት ትሰድድ ነበረት።

ነዚ ድኻምን ጻዕርን ዘቃልል ቤት ማኅተም ምስ ማዕበለ'ውን ነቶም ካብ ቀደሞት አበው ዝተሰጋገሩ ናይ ቃል ትምህርታትን ኣብ ብራና ተጻሒፎም ዝነበሩ ጽሑፋትን ኣብ ኅትመት ኣብቂዓ ብብዝኂ ተኃቲሞምን ብሰፊሑ ተዘርጊሖምን ኣብ ኢድ ምእመናን በጺሖም እዮም። ናይ ሃይማኖት መጻሕፍቲ፡ መጽሔታት፡ ጋዜጣ፡ ሓጸርቲ ጽሑፋት . . . እናኣኅተመት ንጽምኢ ምእመናን ብጽሑፋት ከተርዊ ክኢላ'ያ።

እንተኾነ ግና ኣብዚ ዓለም ብቴክኖሎጅን ሓበሬታን መራኸቢታትን (ICT) ተወንጪፋትሉ ዘላ እዋን፡ እዚ ጥራሕ ኣኻሊ ኾይኑ ኣይተረኽበን። ሎሚ ደቂ ሰባት በቲ ወሃቤ ጥበብ እግዚኣብሔር ዝገለጸሎም ጥበብ፡ ኣብ ዝኃፀረ ጊዜን ናብ ዝረኃቐ ቦታን ብቀሊሉ መልእኽቲ ዝበጽሓሉ ረቂቕ ኤሌክትሮኒካዊ ምዕባለ ተበጺሑ ኣሎ። እቲ ቅድም ኣብ ቃልን ብጽሑፍን ተወሲኑ ዝነበረ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት፡ ሎሚ ብጽሑፍ ኮነ ብምስልን ድምፅን ክትፍጽመሉ ዘኽእል ደረጃ እዩ ዘሎ።

እዚ ኸኣ ኣብ ዕዮ ስብከተ ወንጌል ሓጋዚ ስለ ዝኾነ ድማ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ 'ሕዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ ኣሎ' (ሆሴ. 4፥6) ብምባል ነቲ ሓዋርያዊ እምነታን ሥርዓታን ጥንታዊ ታሪኻን ስብከታን ናብ ኵሉ ዓለም እትዝርግኃሉ፡ ናታ ወግዓዊት መርበብ ሓበሬታ (ዌብ ሳይት) www. lisantewahdo.org (ልሳን ተዋሕዶ) ከፊታ ጸኒሓ እያ። እንተኾነ እዛ መርበብ ሓበሬታ እዚኣ ንሓፂር እዋን ብቍዕ ኣገልግሎት ካብ ዘይምሃብ ኃሊፋ ደው ኢላ ከምዝጸንሐት ዝፍለጥ እዩ። እንሆ “ጊዜ ገቢር ለእግዚአብሔር" እዩ እሞ ሎሚ ፍቓዱ ኮይኑ ጎኒ ጎኒ እቲ ብሓፈሻ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተጀሚሩ ዘሎ ተስፋ ትንሣኤን ዕቤትን፡ እዛ መርበብ ሓበሬታ ድማ ዳግማይ ሥርርዕን ምትዕርራይን ተገይሩላ ብሓድሽ መንፈስ ኣገልግሎት ኣብ ምጅማር ትርከብ ኣላ።

መርበብ ሓበሬታ ልሳን ተዋሕዶ ኣብዚ ናይ ሕጂ ኣወዳድባኣ ንኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝርከቡ ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መንፈሳውያን ኣርእስቲታት ዘተኮሩ ሥሩዕ ሓበሬታን ትምህርትን ንምሃብ ተዳልያ ኣላ። ንገለ ካብቲ ኂዛቶ ተበጊሳ ዘላ ኣርእስታት፦ ትምህርተ ሃይማኖት፡ ስብከተ ወንጌል፡ ነገረ ቅዱሳንን ደሃይ ገዳማትን፡ ሃብትን ታሪኽን ቤተ ክርስቲያን … እዮም። ብዘይካዚ ከም ፍቓድ እግዚአብሔር፡ መርበብ ሓበሬታ ልሳን ተዋሕዶ በብእዋኑ ንሕዝበ ክርስቲያን ይሓንፁ እዮም ዝበለቶም ጕዳያት፡ ዜናን እዋናዊ ሓበሬታን ከተቕርብ ምዃና ቃል ትኣቱ።

በዚ መሠረት ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ነዛ መርበብ ሓበሬታ'ዚኣ ንምዕባይን ምስፋሕን ብዝተፈላለየ መንገዲ ክንረድእ፡ ተገልገልትን ተሳተፍትን ኽንከውን ከምኡ'ውን ዘለኩም ሕቶን ርእይቶን ኽትልእኹልናን ኣብ ጸሎትኩም ክትዝክሩናን ብትሕትና ንምሕፀን።

ነዚ ንምፍጻም ልዑለ ባህርይ እግዚኣብሔር ጸጋኡ የብዝኃልና! እግዝእትነ ማርያም ብረድኤታ፡ ቅዱሳን ብጸሎቶም ኣይፈለዩና!

እግዚአብሔር ቤተ ክርስቲያና ይባርኽ!

ዘመነ ዮሐንስ 11 ጥር 2012 ዓ.ም.

January
Monday
20
ዝክር፦ ተጠምቀ እግዚእነ፡ ወአስተርእዮተ መላእክት፡ ወእንጠልዮስ፡ ወዮስጦስ፡ ወጕድብ፡ ወአባ ዮሐንስ፡ ወሪቅረስ። ዘቅዳሴ ምንባብ፦ ቲቶ 3፡1-7። 1ይ ዮሐ. 5፡5-12። ግብ. ሐዋ. 10፡34-38። ምስባክ፦ መዝ. 41/42 ዓዲ መዝ. 113/114 ወንጌል፦ ዮሐ. 1፡29-34። ቅዳሴ፦ ቅዳሴ ዘዲዮስቆሮስ። * * *
00:00 h
Ad Right

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

“ ወያሠጥሞን ውስተ ቀላየ ባሕር ለአበሳነ /ንኣበሳና ናብ ማዕሙቝ ቀላይ…

ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል፡ እግዚአብሔር ወልድ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ብተዋሕዶ...

“ልሕቀ በበሕቅ / በብንእሽቶ ዓበየ”

ባዕሉ እግዚአብሔር ዝሃቦ ተስፋን፡ ነቢያት ዝተነበይዎ ትንቢትን ንምፍጻም፡ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብ ቤተ ልሔም...

መበል 50 ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ምምሥራት ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ…

7 ጥር 2012 ዓ.ም.ግ (16 ጥሪ 2020 ፈ.) ክብረ በዓል ቅድስት ሥላሴ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክኸብር ከሎ ብፍሉይ ግን...

ሓበሬታ ብዛዕባ ንግደት ኢየሩሳሌም 2020 ዓ.ም. (2020 ፈ.)

 ቤት ጽሕፈት ነጋድያን ኢየሩሳሌም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብዛዕባ ንግደት ኢየሩሳሌም ኣብ በዓለ ፋሲካ 2012 ዓ.ም.ግ. (2020 ዓ.ም.) ዝምልከት...

ጋሻ ንምቕባል ንቀዳደም! - ሥላሴ ኣብ ቤት አብርሃም

ጋሻ ምቕባል፡ ብዙኅ በረኸትን ጸጋን ዘውህብ እዩ። 7 ሓምሌ ኣቦና ኣብርሃም ጋሻ ብምቕባሉ፡ ኣጋእዝተ ዓለም ቅድስት ሥላሴ ኣብ ቤቱ ዝተኣንገዱሉን፡...

ግዝረት ኣብ ክርስትና፧?!

ግዝረት፡ ማለት ሕፃን ዕልቦኡ ዝኽንሸበሉ ኵነት እዩ። ዕልቦ ፆታዊ ኽፍሊ ኣካል ናይ ሕፃን ብምቕራጽ ዝፍጸም እዩ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገዚሩ ድዩ፧

ሓደ ካብተን ትሽዓተ ንኡሳን በዓላት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ግዝረት’ዩ። ሠራዔ ሕግ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይካ በይና ኃጢኣት ፡ ሕጊ...

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ወርቅ ኣቡነ ሊባኖስ ብዓቢይ ኽብሪ ተባዒሉ!

“ደቂቅየ ወደቂቅክሙ ኢይትጓነዩ በበዓልየ ወበዓልክሙ/ ኣብ በዓለይን በዓልኩምን ደቀይን ደቅኹምን ኣይፈላለዩ” ጻድቅ ኣቡነ ሊባኖስ ኣብ መፋርቅ 4ይ ክፍለ ዘመን ካብ ቁስጥንጥንያ...

ኣብ ሃገረ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ጉባኤ ተቓኒዑ!

ብዕለት 26 ታኅሣሥ 2012 ዓ.ም. (05/01/20 ፈ.) ብብፁዕ አቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተመርሐ፡ ናይቲ ሃገረ ስብከት ኃለፍቲ ክፍልታትን...

  ብጐይታ ዝተፈትወ ሓዋርያ - ቅዱስ ዮሓንስ

ቅዱስ ዮሓንስ ብዙኅ ኣስማት መጸውዒ ዘለዎ ሐዋርያ እዩ።1. ፍቁረ እግዚእ (ጐይታ ዝፈትዎ)፦ ብሕይወቱን ናብራኡን ንጐይታ ኪመስል ይጽዕር ስለዝነበረ ጐይታ ይፈትዎ ነበረ።...

አሥርቆት ዘወርኀ ጥር

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ጥር ቡሩክ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ የካቲት በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ጥር...

ገዳም ደብረ ወርቅ አቡነ ሊባኖስ

ገዳም ደብረ ወርቅ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ብሸነኽ ደቡብ ካብ ሰርሓ ብእግሪ ናይ ኣርባዕተ ሰዓትን ፈረቓን መንገዲ፡ ወይ...

  

latest articles

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...

EXISTENCE OF GOD

The name God signifies the Divine Being, meaning He who created the world and governs it. There is one invisible...