እሙን ኣገልጋሊ - ገብር ኄር

Apr 13, 2019

     እሙን ኣገልጋሊ  

ኣብ ዓለማዊ ሥራሕ ሠራሕተኛታት ነቲ ዘሥርሖም ኣካል ጸብጻብ ሥራሖም የቕርቡ እሞ በቲ ዘርኣይዎ ዓዉት ውፅኢት ዝሽየሙን ዝሽለሙን ወይ ድማ በቲ ዘስዓብዎ ጕድለት ይቕጽዑን ይስጐጉን። ዓለማዊ ሥራሕ ከምዚ ካብ ኮነ፡ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት’ውን ንጽቡቕ ይኹን ንኽፉእ ሥራሕ ኣብ መዓልቲ ፍርዲ ንዅሉ ከከም ግብሩ ዋጋኡ ንምርካብ ሕቶ ከም ዘሎ ጐይታናን ፈጣሪናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምሳሌ ኣብ ዝመሃረሉ ጊዜ ከምዚ ክብል የረድእ፦

ናብ ርሑቕ ሃገር ክገይሽ ዝደለየ ዓቢይ ሰብ ንሠለስተ ኣገልገልቱ ጸዊዑ፡ ካብ መገሻኡ ክሳዕ ዝምለስ ንሓደ ኃሙሽተ፡ ነቲ ካልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሣልሳይ ድማ ሓደ መክሊት ክነግድሉ ሃቦም። እቲ ሰብ ካብ መገሻኡ ምስ ተመልሰ ገንዘቡ ንኽቈጻጸር ጸውዖም። ኣብዚ ጊዜ እዚ እቲ ኃሙሽተ ዝወሰደ ካልእ ኃሙሽተ ወሲኹ፡ እቲ በዓል ክልተ ድማ ካልእ ክልተ መክሊት ኣርቢሑ መለሰሉ።

ጐይታኦም ድማ፡ “ኣታ እሙን ኣገልጋሊ፡ ብኂደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ብዙኅ ክሸመካ እየ ኪድ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ” በሎም። እቲ በዓል ሓደ መክሊት ሣልሳይ ድማ ቀሪቡ “ሓንቲ መክሊት ሂብካኒ ነበርካ። ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ፡ ዘይበተንካዮ ድማ እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ ፈሪሀ ከድኩ፣ ነቲ መክሊትካ ድማ ኣብ ምድሪ ኃባእክዎ፡ እንሆ ገንዘብካ” በሎ። እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ “ኣታ ክፉእ ሃካይ ባርያ እዚ ከምዝገብር ካብ ፈለጥካስ ስለምንታይ ገንዘበይ ተቐበልካ፧ ገንዘበይ ኣብ ባንክዶ ከተእትዎ ምተገብኣካ ነይሩ። ኣነ ኸኣ መጺአ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ። እምበኣርከስ ነቲ መክሊት ካብኡ ኣግዲፍኩም ነቲ ዓሠርተ መክሊት ዘለዎ ሃብዎ። ምኽንያቱ ነቲ ዘለዎ ዘበለ ዅሉ ይህብዎ፡ ይውስኽዎ’ውን፣ ነቲ ዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ።” ብምባል ናብቲ ናይ ዘለዓለም ጸልማት ክድርበ ኣዘዘ። ማቴ. 25፡14-30 

ነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊ ከከም ክእለቱ እናነገደ ከርብሕ ኢሉ ገንዘቡ ዝሃበ ሰብ፡ ምሳሌ ናይ ጐይታናን ፈጣሪናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። መክሊት ዝተዋህቡ ድማ ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን እዮም። ንዅሎም ብምዕሩይነት ዘይምሃቡ ሰብ ብተፈጥሮ ማዕረ እኳ እንተኾነ ህያብ እግዚኣብሔር ግና ዝተፈላለየ ምዃኑ የረድእ። ንሓደ ብዙኅ፡ ንሓደ ኂደት ምሃቡ ድማ ሰብ ብዝተዋህቦ ናፃ ኣእምሮ ሓሲቡ፡ ብዘለዎ ፍልጠትን ጕልበትን ተጊሁ እንተኣገልገለ ዓስቡ ከምዝረክብ ንኸረድእ እዩ እምበር እግዚኣብሔር ገጽ ሰባት ርእዩ ኣየዳሉን እዩ። 

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዚፍጸም ኣገልግሎት መንፈሳውን ካብ ኵሉ ዚዓበየን ከም ምዃኑ መጠን እሙናት ኣገልገልቲ የድልዩ። ንዘይተማህሩ ዚምህሩ፡ ንዘይኣመኑ ዘእምኑ፡ ንዝኣመኑ ድማ ዘጽንዑ፡ ንዝኃዘኑ ዘረጋግኡን ምእመናን ዘብዝኁን ኣገልገልቲ ናይ ገብርኄር (እሙን ኣገልጋሊ) ማለት ምሳሌ ናይ በዓል ኃሙሽተን ክልተን መክሊት ምሳሌ እዮም። እዚእቶም ብዝተዋህቦም ሥልጣን፡ ብዝተማህርዎ ትምህርቲ ወሪዶም ደይቦም ምሂሮምን ኣእሚኖምን መጓሰ ሕዝበ ክርስቲያን ኣስፊሖምን ኣጽኒዖምን እዮም። “ንስኻትኩም ብውኁድ ዝተኣመንኩም ኣብ ብዙኅ ክሸመኩም እየ” ብዝበሎ መሠረት ሹመትን ሽልማትን ኪረኽቡ እዮም። ተድላን ሓጐስን ኣብ ዚመልአ ናይ ዘለዓለም መንግሥቲ’ውን ወረስቲ ኪኾኑ እዮም። ብኣንጻሩ ድማ ልክዕ ከምቲ ወርቁ ቐቢሩ ብዘይ መኽሰብ ኣምኪኑ ዘትረፈ ብበዓል ሓደ መክሊት ዝምሰሉ ገብር ሓካይ (ሃካይ ኣገልጋሊ)ዝበሉ ኣገልገልቲ፡ ንፍልጠቶም ኣብ ውሽጢ ገንኢ ከምዘሎ መብራህቲ ኃቢኦም ዘይምህሩ፡ ዝተቐበልዎ መንፈሳዊ ሥልጣንን መዓርግን ኣብ ከንቱ ዕላማ ዘውዕሉ ውኁዳት ኣይኮኑን። ናይ ረብሓ ርእሶም ክሕለወሎም እምበር ነቲ መጓሰ ክርስትና ኣራዊት ሰይጣንን መናፍቕን እንተመንጠሎ’ኳ ግዲ ዘይብሎም ፈተውቲ ርእሶም ኣለዉ። ነዚኣቶም ጊዜኡ ምስ በጽሐ እግዚአብሔር ብዕቱብ ክጸባጸባም እዩ። “ስለዚ ብዛዕባ እቶም ንሕዝበይ ዚጓስዩ ጓሶትሲ እግዚአብሔር ኣምላከ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ ነባጊዐይ ዝዘረኹመንን ዘባረርኩምዎንን ግደን ዘይገበርኩምንን ንስኻትኩም ኢኹም። እንሆ ብሰሪ እከይ ተግባርኩም ከኣ ክቐጽዓኩም እየ ይብል እግዚአብሔር።” ሕዝ. 34፡1-31

ሰብ ነቲ ዝተዋህቦ ፍልጠትን ጕልበትን እንተዘይሠሪሕሉ፡ ካልእ ክረክብስ ይትረፍ እታ ዘላቶ ሃብቲ እኳ ከምዘይትባረኸሉ ከረድእ ከሎ፡ “ዘለዎ ዅሉ ኪውሰኾ እዩ፡ ዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ’ውን ክትውሰዶ እያ” ይብለና። (ማቴ. 25፡29)

ዝኾነ ሰብ ብሕይወተ ሥጋ ኸሎ ሠሪሑ ብዝረኸቦ ሃብቲ ተሓጕሱ ፈጣሪኡ እናኣመስገነ ኪነብር ሃብቲ ሥጋ ከሲቡ፡ ሃብቲ ነፍስ’ውን ብምርካቡ ዘለዓለማዊ ናይ ሕይወት ናብራ ኪነብር እዩ። ኵሉ ሰብ ኣብ ዝተመደቦን ከከም ትምህርቱን ኃላፍነቱን በርቲዑ እንተ ኣገልገለ ነጋዳይ ወሪዱ ደይቡ ብሓቂ ነጊዱ መኽሰብ እንተረኺቡ፡ ሓረስታይ’ውን ብጊዜኡ ዘሪኡ እንተኣኪቡ ዕድሜኡ ምሉእ ተሓጕሱ ይነብር። ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ጽሕፈት ፋብሪካታትን ከከም ክእለቶም ዝተዋፈሩ ሰብ ሞያ ብትግሃትን ብእምነትን እንተሠሪሖም ንርእሶም ከቢሮም ንሃገሮም ዕቤት፡ ንሕዝቦም ድማ ኩርዓት እዮም። ንኻልኦት’ውን ጽቡቕ ኣርኣያ ይኾኑ፡ ይሽየሙ፡ ይሽለሙ፡ ናይ ደሞዝ ወሰኽ ይግበረሎም። ብሓቂ! ካብዚ ዝበልጽ ሓጐስ የልቦን።

ብኣንጻሩ እቶም ጕልበቶምን ፍልጠቶምን ዝቐበሩ ንሃገር ፆር ንሕዝቦም ኅፍረት እዮም። እዞም ከምዚ ዝበሉ ካብ ልምዓቶም ጥፍኣቶም ስለዝዓዝዝ ኣብ ምሽላምን ምሻምን ከይበጽሑ ይቕጽዑ፡ ካብ ሥራሕ’ውን ይስጐጉ ፡ ኣብ መወዳእታ ኣወዳድቓኦም ዝኸፍአ ይኸውን ። 

ስለዚ በዚ ትምህርትን ምሳሌን ‘ኣነኸ ካብዞም ሠለስተ ንነየናዮም እመስል፧ ንበዓል ሓደ ወይስ ንበዓል ክልተን ኃሙሽተን መኽሊት’ ኢልና ርእስና ምምርማር ይግብኣና። ሥራሕና ናይ በዓል ሓደ መኽሊት መሲሉ ካብ እተራእየሉ መዓልቲ ንርእስና መርሚርና ንጽቡቕ ሥራሕ ተዓጢቕና ክንትንሥእ፡ ንዝኾነ ሥራሕ ተባዕን እሙንን ምዃን ከምዘድሊ ፈሊጥና ኣብ ተግባር ከነውዕል ይግባእ። ፍርሃት፡ ጥርጣረን፡ ምውልዋልን ኣብ ልቡናና እንተ ኣትዩ ግና ዅሉ ሥራሕና ፍረ ኣልቦ ኾይኑ ከምዚተርፍ ካብዚ ትምህርቲ እዚ ምርዳእ ኣድላዪ እዩ።

ጐይታናን ፈጣሪናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንሠርሓሎም ጥዑያት ኣካላት ምስ ፍልጠት ኣሰንዩ ሂቡ ኣብዛ ዓለም እዚአ ኣብ ናይ ሥራሕ ቦታ መዲቡና እዩ። እሞኸ ደኣ ኪቈጻጸረና ኣብ ዝመጽኣሉ ጊዜ በቲ ዝሃብኩኻ ሃብቲ እንታይ ሠሪሕካ፧ እንታይ ከሲብካ፧ ብምባል እንተሓተተና መልስና ናይ በዓል ሓደ ዘይኮነ ናይ በዓል ክልተን ናይ በዓል ኃሙሽተን መክሊት ኪኸውን ይግባእ። ምኽንያቱ “ኣብ ብዙኅ ክሸመካ እየ” ዝብል ቃል ብሓቂ ንኣና ስለዝኾነ። 

መክሊትና (ጸጋና) ፈሊጥና ከይኃባእና ከነርብሕን ገብርኄር ክንበሃልን ኣብ ብዙኅ ኪሸመናን ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ ፈቓድ ይኹነልና። ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ኵሎም ቅዱሳንን ረድኤትን ጸሎትን ምስ ኵልና ይኹን። 

 ወስብሓት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

No events found.

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ብርሃነ ዓለም፡ ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን፡ ንዋየ ኅሩይ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ

ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ዓሌቱ ዕብራዊ ኾይኑ ኣብ ከተማ ጠርሴስ ተወሊዱ። ሮማውያን ነቶም ኣብ ትሕቲኦም ዚመሓደሩ ሕዝቢ፡ ሮማዊ ዜግነት...

ኰኵሐ ቤተ ክርስቲያን ሊቀ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ

ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱሳን ሓዋርያት: ብኸመይ ከም እተጸውዑን ክሳዕ ዕርገት ዝነበርዎ ኵነታትን ኣብ ኣርባዕቱ ወንጌል፡ ድኅሪ ዕርገትን ክሳዕ መጀመርያ ስሳታትን...

ዓምደ ሃይማኖት ወማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ቄርሎስ

ቅዱሳን አበው ሊቃውንት፡ ከም መጠን ስፍሓት ኣእምሮኦምን ጽንዓት ሃይማኖቶምን መንፈስ ቅዱስ ገሊጽሎም መንፈሳውያን ድርሳናት፡ ተግሣፃት፡ መድበላት ዝጸሓፉ፣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ...

ብመስቀሉ ክዘንመልና እዩ ፈውሰ ምሕረቱ

እስከ ኽንዛረብ ምእንትዚ ተላቢዑ ዘሎ ኮሮና ሕማምእግዚአብሔር ንሰብ ክፈጥሮ ከሎ ብተድላ ብደስታ ክነብር እምበር ኣይነበረን ክሳቐ ብሕማምምናልባት ነዚ ሰብ ዘጽሕን...

ቅዱስ ሓዋርያ ታዴዎስ፦ “ነዚ እዩ ጐይታ ሃብታም መንግሥተ ሰማያት ካብ…

ታዴዎስ ማለት ዘርእን ማእረርን፡ ካህነ ኣምላኽ ማለት እዩ። ቍጽሩ ምስ ዓሰርተው ክልተ ሓዋርያት ኮይኑ ሃገረ ስብከቱ ሶርያ እዩ። ሊቀ ሓዋርያት...

አሥርቆት ዘወርኀ ሐምሌ

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ሐምሌ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ነሐሴ በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ሐምሌ ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፬ቱ ሰዓት ወሌሊቱኒ ፲ቱ...

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር

ገዳም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቴድረር ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ካብ ከተማ ደቀምሓረ ንደቡብ 25 ኪሎ ሜትር ኣብ ከባቢ...

“ብኃጢኣት ሕዝበይ እየ ኣብ ኢድኩም ኣውዲቐያ!”

ገቢረ ተአምራት ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም፡ ተነጊሩ ዘይጽገብ ተጻሒፉ ዘይፍጸም እዩ። ካብ ፅንሰታ ዝጀመረ ገቢረ ተአምራት ክሳዕ ምጽኣተ ክርስቶስ በቲ...

"ወያስተዴሉ ክረምተ ለምድር/ ንምድሪ ዝናም የዝንመላ” “መዝ. ፻፵፮፥፰/147፡8

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ንዓመት ኣብ ኣርባዕተ ወቕትታት ማለት ዘመነ መፀው፡ ዘመነ ሓጋይ፡ ዘመነ ፀደይ ከምኡ ውን ዘመነ ክረምት ብምባል ትኸፍሎ። 

እንቋዕ ናብ ዘመነ ክረምት ብሰላም ኣብጽሓና!

ዘመነ ክረምት  ካብ 26 ሰኔ ክሳዕ 25 መስከረም ዘሎ ወቅቲ ጊዜ ክረምቲ እዩ። ሰማይ ብደመና ተሸፊኑ፡ ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ...

“ብፁዕ ዘይሌቡ ላዕለ ነዳይ ወምስኪን/ ንድኻ ዝሓልየሉ ሰብ ብፁዕ እዩ”(መዝ…

ንሕይወተ ሥጋ ኣድለይቲ ዝኾኑ ነገራት ማይ፡ እንጌራ፡ ክዳን፡ መኅደሪ ቤት እዮም። (ሢራ. 29፡21) ብቐዳምነት ነዚኦም ዘይረኸቡን ዘይብሎምን ሰባት “ጽጉማት” ይበሃሉ። ብተወሳኺ’ውን...

ገዳም ደብረ ሲና

ገዳም ደብረ ሲና፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ከባቢ መንሳዕ፡ ካብ ዒላበርዕድ ንሸነኽ ምሥራቕ ብእግሪ ናይ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን...

  

latest articles

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...