ኣብቲ ዝተገብረ ዘተ ብመጀመርታ ኃላፊ ክፍሊ መንፈሳዊ ትምህርቲ መምህር ሠመረ ኣፈወርቅ ሓፈሻዊ መብርህን ዛዕባ ናይቲ ጉዳይን ምስ ገለጹ፡ ተማሃሮ ኮሌጅ ኣብ ምኅያል ምምሃርን ምስትምሃርን ዘለዎም ርእይቶን ኣብ ማኅበራዊ ሕይወትን ናብራን ዘለዎም ጸገማትን ብዝምልከት ሓሳቦም ኣቕሪቦም።
ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ተሓጋጋዚ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ሊቀ ካህናት ሳሙኤል ጸጋይ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ምስ ህልው ኵነታት ሕማም ኮሮና ንዘሎ ጸቅጥታት ተጻዊሮም ይመሃሩ ብምህላዎም ብምምስጋን ከምኡ’ውን ብተማሃሮ ንዝቐረበ ርእይቶኦም ብዝምልከት ምፍትሑ ጻዕርታት ይግበር ምህላዉ ብምሕባር፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብኦም ብዙኅ ተስፋ ጌራ ከም ዘላ ገሊጾም።
ቀጺሉ ተሓጋጋዚ ዋና ኣመኃዳሪ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዲያቆን ግርማይ ዘርኣይ ሓፈሻዊ ህልው ኵነታት ኮሌጅን ተታኂዙ ዘሎ መጻኢ መደባቱን ብዝርዝር ብምግላጽ ተማሃሮን ኣካየድትን ኣመኃደርትን ኮሌጅ ምስ ቅዱስ ሲኖዶስ ብምዃን ንዕቤት ኮሌጅን ቤተ ክስቲያንን ክተግሁ ከም ዘለዎም ብምግላጽ ኵሉ ዘድሊ ነገር ክማላእ ምዃኑ ኣረጋጊጽሎም።
ኣብ መወዳእታ ድማ ኃላፊ ክፍሊ ኣድያማተ ስብከት ሊቀ ካህናት ዘሚካኤል ኣብርሃም ብዛዕባ ትሕተ ቅርጻዊ ሥርሓት ኮሌጅ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ተሪፉ ዘሎ ሕንፃውን ልምዓታውን መደባት ምስ መንግሥታውያን ኣካላት ቀጻሊ ኣብ ምዝርራብን ምስላጥን ከም ዘሎ ምስ ሓበሩ እቲ ጉባኤ ብጸሎት ተዛዚሙ።