12 ታኅሣሥ ዝኽበር ክብረ በዓል ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ብድምቀት ተኸቢሩ

Dec 24, 2020

ዓመታዊ 12 ታኅሣሥ ዝኽበር ክብረ በዓል ኣባ ሳሙኤል ምስ ድርብ ወርሓዊ በዓል ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ኵለን ብስሞም ዝተቐርጸ ታቦት ዘለወን ኣድባራት ክበዓል ከሎ ብፍሉይ ግና፡ ኣብ ደብረ ምሕረት ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ዓዲ ራእሲ ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ዓቃቤ መንበር ዘፓትርያርክ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተረኽብሉ ብድምቀት ተኸቢሩ።

ሊቃውንት መዘምራን ዋዜማ ካብ ድሮ እቲ ዕለት 1፡00 ድ.ቀ “ተፀውዑ ወተአዘዙ ሱራፌል ወኪሩቤል በድምፀ ከበሮ ወጸናጽል ከመ ያዕርግዎ ለሳሙኤል . . .” ማለት መላእክት ሱራፌልን ኪሩቤልን ብድምጺ ከበሮን ጸናጽልን ንኣባ ሳሙኤል ናብ ናይ ዘልዓለም ሓጎስ ከዕርግዎም ብእግዚአብሔር ኣምላክ ተኣዚዞም መጹ እንዳ በሉ፡ ንመዝሙር ዳዊት ብቅኔያት እንዳ ኣሰነዩ ክሳብ 6፡00 ድ.ቀ ከመስግኑ ውዒሎም ።

ብድኅር’ዚ ካብ ሰዓት 11፡00 ድ.ቀ ክሳብ ረፋድ ሰዓት ዑደተ ታቦት ዝበጽሕ “አማን በአማን ሳሙኤል ትሩፈ ገድል” ማለት ብሓቂ ብሓቂ ሳሙኤል በዓል ትሩፋት ዝበዝሖ ገድሊ እንዳ በሉ ብሸብሸቦን ብግሩም ማኅሌትን ከመስግኑ ሓዲሮም ።

ካብዚ ብምቕጻል ዑደተ ታቦት ንምፍጻም ታቦት ብብፁዓን ኣቦታት፡ ወርቂ መስቀልን ማዕጠንትን ብዝሓዙ ውሉደ ክህነት፡ ሊቃውንት መምህራን ተዓጂቡ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ዘይሩ ኣብ ዝተዳለወሉ ዓውደ ምሕረት ምስቆመ፡ ሠለስተ ሊቃውንት ነቲ ዕለት ዝምልከት ለዘብ ብምስማዕ “ሃሌ ሉያ በከየት ገዳምከ፡ ምድረ ዋልድባ ቅድስት ሰሚዓ ዜና ሞትከ ” ማለት ምድረ ዋልድባ ገዳምካ ናይ ዕረፍትኻ ዜና ሰሚዓ በኸየት እንዳ በሉ ኣሸምሺቦም።

መሪጌታ እዝራ ድማ ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ተራዳእነትን በረኸትን ምስ ታሪኽ ኣባ ሳሙኤል ብምትሕሓዝ ሰፊሕን መሳጥን ትምህርቲ ምሂሮም ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ዋና ጸሐፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ አቡነ ሉቃስ እዚ ዝሓደረ ጸሎትን ማኅሌትን መዓቱ ቀንጢጡ ንዓለም ምሉእ ሰላምን ፍቕርን ከምኡ ድማ ፈውሰ ምሕረቱ ክልእከልና ናይቲ ሰማዕን ርህሩህን ልዑል እግዚአብሔር ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና ብምባል ቃለ ምዕዳንን ቡራኬን ምስ ሃቡ ጸሎተ ምኅለላ ተኻይዱ።

ብመሪሕነት ብፁዓን ኣቦታት ናይ ኵሉ ጸሎታት ማሕተም ዝኾነ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሰርዐ ድማ እቲ ክብረ በዓል ተዛዚሙ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ሃገረ ስብከት ማእከል አሥመራ ደብረ ኅይል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ምህራም ጭራ ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ሃገረ ስብከት ድባርዋ ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ኣብ ዝተረኽቡሉ እቲ ክብረ በዓል ብድምቀት ከም ዝተኸብረ ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ጸብጻብ የነጽር።

 

 

 

Ad Right
No events found.

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ሓድነታዊ ጉባኤ ሓድሽ ዝተመርጸ ምምሕዳር ሰበካ ጉባኤን ምእመናን ኣባላት ሰበካ…

መሪሕነት ኣባላት ሰበካ ጉባኤ መድኃኔ ዓለም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርቲያን ኤርትራ (ሉሳካ) ከምኡውን ምእመናን ምእመናት ነበርቲ ሃገረ ዛምብያ ብማእከልነት ቀሲስ...

ጉባኤ ማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃ ኣብ ሃገረ ዛምብያ ይካየድ…

ብማኅበር መላእ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃን(AACC) ብኣኣንጋድነት ቤት ምኽሪ ኣብያተ ክርስቲያናት ዛምብያ (CCZ) ተወዲቡ፡ ኣብ ዛዕባ ሕዝባዊ ዕዳን ብልሽውናን ምቁጽጻር ከምኡ’ውን...

ጉባኤ ኤፌሶን (431 ዓ.ም.) 1ይ ክፋል

ዝቐደመ ጉባኤታት ኣብ ምሥጢረ ሥላሴ ንዝተላዕለ ኑፋቄታት፣ ብፍላይ ብተመሃሮ ቤት ትምህርቲ አንጾኪያ፣  መልሲን ግቡእ መግትኢ ዝኸውን ውግዘትን ኣቐሚጡ ነበረ። ብድሕሪ...

በዓለ ሥእል ዘጼዴንያ

ብመሠረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅዱሳት ኣሣእል ብዙኅን ዓቢይን ጥቕሚ ይርከብ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከቡ ትምህርትታትን ታሪኻትን ብሥእላዊ ኣገላልጻ...

በዅሪ ጽምብል ሥነ ሥርዓት መመረቕታ ኮለጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና…

ኮለጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ብመዓልታውን ምሸታውን መርሐ ግብር ክምህሮም ካብ ዝጸንሐ ተማሃሮ፡...

“ነቢይ ኢሳይያስ”

ነቢይ ማለት ፡ መንፈስ ትንቢት ኃዲርዎ ብዛዕባ ዚመጽእ ትንቢት ዚንበ፣ ብዛዕባ ዝኃለፈን ዚመጽእን ራእይ ዚርኢ፣ ብዛዕባ ግብረ እግዚአብሔር ኣብ ታሪኽ...

ዜና መዋዕል ካብ ልደት ክሳዕ ግብአተ መሬት መሪጌታ ባራኺ ገብረመድኅን…

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! “በድርየኒ ፈጸምኩ ወሃይማኖትየኒ ዐቀብኩ፡ እንከሰ ጽኑሐ ሊተ አክሊለ ጽድቅ ዘየዐሥየኒ እግዚአብሔር ይእተ ዕለተ መኰንነ...

ኣብ ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝሠርሑ መሪጌታ…

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቤት ማኅተም ኮከበ ጽባሕ ማኅበረ ሓዋርያት ንልዕሊ 20 ዓመት ዝሠርሑ መሪጌታ በራኺ ገብረመድኅን ኣብ...

እንቋዕ ካብ ዘመነ ማቴዎስ ናብ ዘመነ ማርቆስ ብሰላም ኣሰጋገረናን ኣብጽሓናን!

ዝናም ብመብረቕን ድምፂ ነጐድጓድን ተዓጂቡ ንምድሪ ዘዕለቕልቐሉ ወርኀ ክረምት ኣኅሊፉ፡ ንምድሪ ብልምላሜን ጽጌያትን ኣወቂቡ፡ ናብዚ ሓዲስ ዘመን ንሰጋገረሉ ወርኀ መስከረም...

ካብ ርእሰ ዓውደ ዓመት ክሳዕ ፀአተ ክረምት

1. ካብ ዮሐንስ (መለወጢ ዘመን ) ክሳዕ ዘካርያስ (1 መስከረም ክሳዕ 8 መስከረም) ሓድሽ ዓመት ዝትክኣሉ እዋን ስለዝኾነ ኣብ ልቢ ክርስቲያን...

ቃለ ቡራኬ ርእሰ ዓውደ ዓመት 2014 ዓ.ም.

አቀድም አእኵቶቶ ለእግዚአብሔር በኢየሱስ ክርስቶስ በእንተ ኵልክሙ እስመ ተሰምዓት ሃይማኖትክሙ ውስተ ኵሉ ዓለም። (ሮሜ ፲፩፡፰)/ ኣቐዲመ ንዂልኻትኩም ብኢየሱስ ክርስቶስ ሃይማኖትኩም...

ዜና ዕረፍት ሊቀ ሊቃውንት ኃይለሥላሴ ገብረሚካኤል

 “ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ . . . ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ” (ማቴ. 25፡21) ሊቀ ሊቃውንት ኃይለሥላሴ ገብረሚካኤል ኣብ መበል 90 ዕድሚኦም...

  

latest articles

Transfiguration: (Debre Tabor)

This is the day celebrated on Nehase (August) 13 G.C. in which Our Lord Jesus Christ during his ministry, manifested...

PRAYER

Prayer is a word by which man communicates with his Creator in Faith, thanking and beseeching Him for the forgiveness...

FAITH AND WORKS

Faith is “a confidence or trust in God”. Faith gives assertion to the things we hope for and explains the...

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...