Print this page

ሥልጠና ፒች ትሪ ኣካውንቲንግ (Peachtree accounting) ተዋሂቡ!

Sep 07, 2019

ሥልጠና ፒች ትሪ ኣካውንቲንግ (Peachtree accounting) ተዋሂቡ!
 

ዕለት 02 - 06 / 09/ 2019 ካብ ኵለን ኣካላት ፋይናንስ ሃገረ ስብከታትን ኮሌጃትን ትካላትን ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዝተዋፅኡ 18 ሰባት ሥልጠና ፒች ትሪ ኣካውንቲንግ (Peachtree accounting) ተዋሂቡ!

 እዚ ሥልጠና’ዚ ብክፍሊ ፋይናንስ ዘመንበረ ፓትርያርክ ተሠሪዑ፡ ብመምህር ሙሉጌታ ዑቅባዝጊ ንመዓልቲ 8 ሰዓት ብጠቅላላ ድማ 40 ሰዓታት ዝተዋህበ ኮይኑ፡ ኵሎም ኣካላት ፋይናንስ ሃገረ ስብከታትን ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክን ሓደ ዓይነት ዘመናዉን ዓለምለኻውን ፋይናንሳዊ ኣሠራርሓ ክጥቀሙ ዝረድእ እዩ።

ኣብ መዛዘሚ እዚ ሥልጠና’ዚ ብፁዓን ኣቦታት ተረኺቦም ኣቦታዊ ቃለ ምዕዳንን ቡራኬን ድኅሪ ምሃብ ንሠልጠንቲ ምስክር ወረቀት ዓዲሎም።