ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ምምኅዳር ሃገረ ስብከት ኅቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ካናዳን ጉባኤ ኣቃኒዑ።

Aug 04, 2020

ብዕለት 20 ሐምሌ 2012 ዓ.ም. (27/07/2020 ፈ.) ተወከልቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ምምኅዳር ሃገረ ስብከት ኅቡራት መንግሥታት ኣሜርካን ካናዳን ብመንገዲ ማኅበራዊ መራኸቢታት ጉባኤ ኣቃኒዖም።

ኣብዚ ንሠለስተ ሰዓት ዝወሰደ ርክብ፣ ምምኅዳር ሃገረ ስብከት ኅቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ካናዳን ምስ ለብዒ ሕማም ኮሮና ተታኃኂዙ ብመንገዲ ማኅበራዊ መራኸቢታት ንሕዝቢ ቃል እግዚአብሔር ከባጽሕን መንፈሳዊ ኵነታት ምእመናንን ምእመናትን ክኸታተልን ከም ዝጸንሐ ክሕበር ከሎ፣ ወከልቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ብወገኖም እዚ ክግበር ዝጸንሐ ኣገልግሎት ክተባብዕን ክድገፍን ዝግብኦ ኮይኑ ዝያዳ ጻዕሪ ዘድልዮ እዋን ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ኣስዒቦም’ውን ኣብ እዋናውን ቀዳምነት ዝወሃቦን ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ከኣ ምስ ጉዳይ ፓትርያርክ ዝምልከት ዝኸይድ ዘሎ ገስጋስ ናይቲ መሥርሕ መብርሂ ክወሃብ ከሎ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ምትእትታው ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣተኪሮም ሰፊሕ ዘተ ድኅሪ ምክያድ፡ እንታይ ክግበር ከም ዝግብኦ ሓድሕዳዊ ሓሳብ ተለዋዊጦም።

ድኅሪ ናይ ዝኃለፈ ዓመት (ታኅሣሥ 2019 ፈ.) ዑደት ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ኣሜሪካ እዚ ሃገረ ስብከት’ዚ ዝዓመሞም  ዕዮታት ብዝርዝር ቀሪቦም።

እዚ ሃገረ ስብከት’ዚ ብምኽንያት ተላባዒ ሕማም ኮሮና መንፈሳዊ ኣገልግሎት ንምፍጻምን ንዝተጸገማ ገዳማትን ኣድባራትን ንምሕጋዝን ዘገልግሉ ንዋያተ ጥዕና፡ ከምኡ’ውን መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ ፍኖተ ብርሃንን፡ መንፈሳዊ ኮሌጅ ደብረ ሲናን፡ ንዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት መንበረ ፓርያርክን ኣገልግሎቶም ውሑስ ኮይኑ ንኽቅጽል ብተወሳኺ ድማ ንዕብየት ኣገልግሎት መርበብ ተሌቪዥን (ዌብ ቲቪ) ዝውዕል ገንዘብ 485,000 ዶላር ኣሜሪካ ካብ ምእመናንን ምእመናትን ድሮ መብጽዓ ተኣትዩ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ነዚ ኣገልግሎት’ዚ ትከታተል ሾብዓተ ዝኣባላታ ኮሚተ ከም ዝቖመትን፡ ብክፍሊ ተራድኦ ኣሜሪካን፡ ንኡስ ሃገረ ስብከት ካናዳን፡ ክፍሊ ተራድኦ ካናዳን፡ ኵሎም ሰበካ ጉባኤታት ኣሜሪካን ካናዳን፡ ኣገልገልቲ ካህናትን ማኅበራት ትምህርቲ ሰንበትን ምእመናንን ብንጡፍ ይዋሥኡ ምህላዎም ተገሊጹ።

ተወከልቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ድማ “ሕዝብና ልዕሊ ንዋቱን ገንዘቡን ብሃይማኖት ጸኒዑ ክነብር ምርኣይ እዩ ባህግና እሞ፣ ብፍላይ ኣገልገልቲ ብሓድነትን ፍቕርን ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ከጽንዑ፣ ንዅሎም ነዚ ዕዮ ዘኻይዱ ዘለው ድማ ሃብተ ሰማይን ሃብተ ምድርን ክህቦም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጸሎት ከምትዝክሮም ብምግላጽ ኣባታዊ ምዕዳን ሂቦም።

ኣብ ትሕቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ዝምኃደራ ኣብ ኅቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ካናዳን 61 ኣብያተ ክርስቲያናትን 9 ማኅበራትን  ከም ዘለዋ ይፍለጥ።

No events found.
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ክብረ በዓል ወዝክረ ዕረፍት አቡነ ኤዎስጣቴዎስ 18 መስከረም 2013 ዓ.ም…

ኣብ ናይ መንፈስ ደቆም ገዳማትን ብሽሞም ኣብ ዝተሓንፁ ኣብያተ ክርስቲያንን ክብረ በዓል ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ተኸቢሩ።

ክብረ በዓል ቅዱስ መስቀል 2013 ዓ.ም. ብመንፈሳዊ ተመስጦን ሓበንን ተባዒሉ!

ትማሊ ዕለት 17 መስከረም 2013 ዓ. ም. ክብረ በዓል ቅዱስ መስቀል፡ ዓቃቤ ወንበር ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ...

“ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም” ዕብ. 13፡7 - አቡነ…

ቅዱስ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ካብ ኣቦኡ ክርስቶስ ሞዐን፡ ኣደኡ ሥነ ሕይወትን ኣብ እንድርታ፡ ጽራእ ኣብ ዝተባህለ ዓዲ ተወልደ። ክርስቶስ ሞዐን ሥነ...

ወገብረ ሰላመ በደመ መስቀሉ/ ብደም መስቀሉ ሰላም ገብረ። ቈላ. 1፡19-20

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!    * ኣመጻጽኣ መስቀል፣ መስቀል ማለት ‘ሰቀለ’ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝተረኽበ ኾይኑ ትርጕሙ ድማ ዝተመሳቐለ...

እንቋዕ ናብ በዓለ መስቀል 2013 ዓ.ም. ኣብጽሓና!

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን እትነብሩ ምእመናንን ምእመናትን፣ ቅዱስ ፍቓዱ ኮይኑ ካብ ዘመነ ዮሓንስ ናብ ዘመነ ማቴዎስ ዘሰጋገረና እግዚአብሔር ኣምላኽና፣ እንቋዕ...

ንቤት ንባብ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ዘገልግል…

ንቤት ንባብ ደብረ ሲና ቅድስት ስላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ኣብ መሥርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ከም መወከሲ ዘገልግል መጻሕፍቲ ብገባሬ ሠናይ ኣቶ ቴድሮስ...

ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት ቅዱስ ዮሐንስ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ…

ብዕለት 2 መስከረም 2013 ዓ.ም.ግ. “እግዚአብሔር ከኣ በደልካ ኣርሒቑልካ እዩ ኣይትመውትን ኢኻ” 2ይ ሳሙ. 12፡13 ብዝብል ኃይለ ቃል ዓመታዊ በዓል...

ካብ ርእሰ ዓውደ ዓመት ክሳዕ ፀአተ ክረምት

1. ካብ ዮሐንስ (መለወጢ ዘመን ) ክሳዕ ዘካርያስ (1 መስከረም ክሳዕ 8 መስከረም) ሓድሽ ዓመት ዝትክኣሉ እዋን ስለዝኾነ ኣብ ልቢ ክርስቲያን...

በዓለ ሥእል ዘጼዴንያ

ብመሠረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅዱሳት ኣሣእል ብዙኅን ዓቢይን ጥቕሚ ይርከብ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከቡ ትምህርትታትን ታሪኻትን ብሥእላዊ ኣገላልጻ...

ሓድሽ ዓመት ብሓድሽ መንፈስ!

ኣብቲ ብብርሃን ዝወቀበ ዘመን ኣዳራሽ ፡ ኣርባዕተ ወንጌላውያን ከም ዕንቍ ተኾሊዖም ብሓጐስ ዝነብርሉ፡ ሓደ ንበይኑ ኣብ መደቡ ግልል ኢሉ ነበረ።...

ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት ቅዱስ ሩፋኤል ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ…

ብዕለት 3 ጳጕሜን 2012 ዓ.ም.ግ. “ሕይወቱ ምሉእ ንእግዚአብሔር ኣሚኑ ዝኃፈረ የለን” መጽ.ሲራ. 2፡10 ብዝብል ኃይለ ቃል ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት...

ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ገዳመን ክሓንፃ ፕላን ኣጽዲቀን…

ናይ ደቀ ኣንስትዮ ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ብ29 መስከረም ብሠናይ ፍቓድ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ተገደመ ቤተ ጸሎት፡ መንበሪ...

  

latest articles

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...