ሰማዕታት ኤርትራ ድማ ምእንቲ ፍቕሪ ሃገርን ሕዝብን ኣዕፅምቶም ኸስኪሶም፡ ደሞም ኣፍሲሶም ፍረ ናፅነት ሃገር ስለዝፈረዩ ወትሩ ኣብ ጸሎታ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን “ንሰማዕታተ ሃገር ዕረፍቲ ነፍሲ ሃቦም” እናበለት ናብ እግዚአ ሕያዋን እግዚአብሔር ምስ ለመነት እያ።
ብደረጃ ሃገር ዝክረ ሰማዕታት ምስ ዝኽበረሉ ዕለት ብምዝማድ፡ ዓመት መጽአ 12 ሰነ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ብፍላይ ድማ ብደረጃ ሃገር ድማ ኣብ ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን (ቤት መኻእ) ጸሎተ ፍትሓት ከምዝግበር ፍሉጥ እዩ።
ሎሚ ዓመት 2012 ዓ.ም. (2020 ፈ.)፡ ከምቲ ልሙድ ብደረጃ ሃገር ኣብ ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ብምኽንያት ተላባዒ ሕማም ኮፊድ 19 (ኮረና ቫይረስ) ዋላ እኳ ጸሎተ ፍትሓት እንተዘይተገብረ፡ ኣብ ኵለን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ግና ብኣገልገልቲ ካህናት፡ ‘ጸሎት በእንተ ሙታን (እግዚአ ሕያዋን)’ ብዜማ ክበጽሕ ከሎ ኣብ መንጎ ድማ ንነፍሳት ኵሎሙ ሰማዕታተ ኤርትራ ኣዕርፍ እናተባህለ በጺሑ።
ብተወሳኺ ኣብዚ ዕለተ ዝክረ ሰማዕታት ጸሎተ ወንጌል፡ ጸሎተ ኪዳንን ካልእ ጸሎታትን ክበጽሕ ከሎ ዲያቆናት ካብ መዝሙር ዳዊት “ወይርአዩ አሕዛብ በቅድመ አዕይንቲነ በቀለ ደሞሙ ለአግብርቲከ ዘተክዕወ ይባእ ቅድሜከ ገዓሮሙ ለሙቅሐን / ሕነ ናይቲ ኣገልገልትኻ ዝኸዓውዎ ደሞም ኣሕዛብ ኣብ ቅድሚ ኣዕይንትና ይርኣዩ፡ ገዓር (ልመና) እቶም እሡራት’ውን ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ” (መዝ. 78/79፡10) እናበሉ ምስ ሰበኹ፡ ካብ ወንጌል ዮሐንስ (15፡7-13) ተነቢቡ።
እግዚአብሔር፡ ንሰማዕታተ ሃገር ዕረፍቲ ነፍሲ ይሃቦም፡ አሜን!