Print this page

ክብረ በዓል ኪዳነ ምሕረት ብድሙቅ ሥርዓትን መንፈሳዊ ተመስጦን ፍቕርን ተኸቢሩ!

Feb 25, 2020

ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነ ምሕረት ሎሚ ዓመት ብ16 የካቲት 2020 ዓ.ም. ኣብ ኵለን ኦርቶዳክሳውያን ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያን፡ ብፍላይ ኣብ ደብረ ገነት ኪዳነ ምሕረት ሰምበል፣ ኣብ ኤርፖርት ኪዳነ ምሕረትን፡ ኣብ ማይ ጻድቃን ኪዳነ ምሕረት ማይ ጭሆት፣ ከምኡ’ውን ኣብ ኳዜን፡ ደቂጴጥሮስ፡ ፃዕዳ ክርስቲያን፡ እምባደርሆ፡ ኳዜን፡ ዓዲ ቀረጽ . . . ብድሙቕ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓት ክኽበር ከሎ ሕዝበ ክርስቲያን ድማ በረከት ኪዳን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ንኽብሪ እቲ በዓል ውሉደ ክህነት መዘምራን ካብ ዋዜማ ክሳዕ ዕለቱ ብጸሎትን ብማኅሌትን፣ ምእመናን ከኣ ብጸሎትን ምህልላን ቃል እግዚአብሔር ብምስማዕን ምስ ኃደሩ፡ ታቦት ካብ መንበሩ ብዓቢይ ክብሪ ወፂኡ ዘይሩ። ብሊቃውንት መዘምራን ድማ ነቲ በዓል ዝምልከት “አንቲ ውእቲ ተስፋሁ ለአዳም አመ ይሰደድ እም ገነት” ዝብል ጣዕመ ዜማ ተሰሚዑን ተሸብሺቡን።

ኣብ ማይ ጻድቃን ኪዳነ ምሕረት ማይ ጭሆት፡ ብዓቃቤ መንበር ዘፓርትያርክ ብፁዕ አቡነ ጴጥሮስ ቃለ ቡራኬ ክወሃብ ከሎ፡ ኣብ ደብረ ገነት ኪዳነ ምሕረት ሰምበል ድማ ብብፁዓን ጳጳሳት ቃለ ቡራኬን ምዕዳንን ተዋሂቡ።

ታቦት ኣብ መንበሩ ምስ ተቐመጠ ድማ ጸሎተ ቅዳሴ ተሠሪዑ። ኣብ ቃል ኪዳናን ኣማላድነታን ዝጸንዑ ሕዝበ ክርስቲያን ከኣ ‘ሰአሊ ለነ ቅድስት፣ በእንተ እግዝእትነ ማርያም መሓረና ክርስቶስ’ እናበሉ ብሰቂለ ሕልና ብተመስጦ ልቡና በረከት ቃል ኪዳና ምስ ተሳተፉ መክፈልተ ሠናይ ጥዒሞም ነናብ ቤቶም ከይዶም። በዚ ኸኣ ፍጻሜ ናይቲ በዓል ኮይኑ።