11 ጥር 2012 ዓ.ም. በዓለ ጥምቀት ኣብ ኵለን ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያን ተኸቢሩ!

Jan 21, 2020

ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ በዓለ ጥምቀት ብድምቀት ክኽበር ከሎ፡ ብደረጃ ሃገር ድማ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ኣብ ባሕረ ጥምቀት ብምዕሩግ ሥነ ሥርዓት ተፈጺሙ።

ጐይታ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ ናይ ምውራዱ ምሳሌ ዝገልጽ ምሥጢር ድሮ ዕለተ ሰንበት ሰዓት 1፡00 ድ.ቀ ዋዜማ ታቦተ ሕጉ ናይ ሸሞንተ ኣብያተ ክርስቲያን ብሊቃውንት መዘምራን ብዝማሬ ተመሃሮ ትምህርተ ሰንበትን ምህላ ኣቦታትን ኣደታትን ብሓፈሻ ብተሳትፎ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን እናተዓጀበ ብጐደናታት ኣሥመራ ናብ ባሕረ ጥምቀት (ባሕቲ መስከረም) ወሪዱ ኣብ ዝተዳለወሉ ቦታ ከም ዝቕመጥ ኮነ። ልክዕ ሰዓት 4፡00 ድ.ቀ ካብ ዝተፈላላየ ኣብያተ ክርስቲያን ዝመጹ መምህራን ተኣኪቦም ስብሐተ እግዚአብሔር ኣብጺሖም።

ብሰባክያነ ወንጌል ትምህርቲ ክሳዕ ሰዓት 9፡00 ድ.ቀ ክወሃብ ጸኒሑ፡ ቀጺሎም ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንት ``ክርስቶስ ተወልደ ክርስቶስ ተጠምቀ ወለደነ ዳግመ እማይ ወእመንፈስ ቅዱስ/ ክርስቶስ ተወሊዱ ክርስቶስ ተጠሚቁ ዳግማይ ወሊዱና ካብ ማይን መንፈስ ቅዱስን” ፣ አማን በአማን መንክር ስብሐተ ጥምቀቱ/ ብሓቂ ብሓቂ ነገረ ጥምቀቱ ዕፁብ ድንቂ እዩ . . .” እናበለ ምሉእ ለይቲ ስብሐተ ማኅሌት ምስ ኣብጽሑ፡ ብለባስያን ውሉደ ክህነት ተኣምረ ማርያም ክንበብ ከሎ ጸሎተ ኪዳን ድማ ብዓቃቤ መንበር ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ብፁዕ አቡነ ጴጥሮስን ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ አቡነ ሉቃስን እናተመርሐ በጺሑ።

ብብፁዓን አበው ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተሠርዐ፡ መርሐ ግብር ምብራክ ማይ ባሕረ ጥምቀት ተቓንዐ። ጸሎተ ወንጌልን ስብከተ ወንጌል ምስ ተኻየደ፡ ብብፁዓን ጳጳስትን ለባስያን ውልደ ክህነትን በርባዕቲኡ መኣዝን ማይ ባሕረ ጥምቀት ተባሪኹ ሥርዓተ ምንጻግ ማየ በረኸት ተፈጸመ።

ደጊሞም መምህራን `` ኃዲጎ ተስዓ ወተስዓተ ነገደ ቆመ ማእከለ ባሕር/ ተስዓን ትሽዓተን ነገደ መላእክት ኃዲጉ ኣብ ማእከል ባሕሪ ቆመ” እናበለ ኣሸብሺቦም።

ብድኅር`ዚ ብብፁዓን ጳጳሳት ተመሪሑ ጸሎተ ምህላ ምስ በጽሐ ፍጻሜ እቲ በዓል ኾነ።

ዘመነ ዮሐንስ 9 የካቲት 2012 ዓ.ም…

February
Monday
17
ዝክር፦ አባ በርሱማ፡ ወጳውሎስ ሶርያዊ፡ ወዮሴፍ፡ ወጴጥሮስ ሰማዕት። ዘቅዳሴ ምንባብ፦ ኤፌ. 4፡1-6። 1ይ ዮሐ. 1፡8-ፍጻሜ። ግብ. ሐዋ. 11፡22-26። ምስባክ፦ መዝ. 111/112 ወንጌል፦ ዮሐ. 8፡51-ፍጻሜ። ቅዳሴ፦ ዘ፫፻ት ግሩም። * * *
00:00 h

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ወልደ እልፍዮስ

ያዕቆብ ማለት አኀዜ ሰኰና አዕቃጺ (ሓንኳሊ) ማለት እዩ። ነገዱ ካብ ነገደ ጋድ ሃገረ ስብከቱ ኢየሩሳሌም ዕረፍቱ 10 የካቲት ቍጽሩ ካብ...

አዋጅ ምህላ ጾመ 40 ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት

“ቀድሱ ጾመ ወስብኩ ምህላ/እትጾሙሉ እዋን ፍለዩ ምህላ’ውን ኣውጁ” ኢዩ. 1፡14 ብኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና ኣብ ዓመት ካብ ዘለዉ ሾብዓተ...

ሠራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ናብ ገዳም ደብረ ጥሉል አቡነ…

05 የካ 2012 ዓ.ም.ግ (13 የካ 2020 ፈ.) ሠራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ናብ ገዳም ደብረ ጥሉል አቡነ አብራንዮስ (እንዳ...

በዓለ ስምዖን ኣረጋዊ - 8 የካቲት

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ነፍስን ሥጋን ተዋሒዱ ምስ ተወልደ፡ ሕጊ መጽሓፋዊ ንምፍጻም ኣብ 40 መዓልቱ፡ መሥዋዕቲ...

ክብረ በዓል ገዳም አቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ተኸቢሩ!

ዓመት መጸ 1 የካቲት ዝበዓል ዝክረ ዕረፍቲ ኣቡነ እንድርያስ ሎሚ ዓመት 2012 ዓ.ም. እውን ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ተኸቢሩ! ኣብዚ ክብረ በዓል...

ዕለታት ጾመ ነነዌ

ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም 7ተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ጾመ ነነዌ ኵል ሳዕ ዓቢይ ጾም ቅድሚ ምእታዉ ቅድሚ...

ንዑ ደቂቅየ ወስምዑኒ . . እመሀርክሙ - ታሪክ ሰብአ ነነዌ…

እግዚአብሔር ዝፈትወኩም ሕፃናት ከመይ ኣሎኹም፧ ናብዚ ሰዓትን እዝን ዕለትን ብሰላም ዘብጸሓና እግዚአብሔር ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። ልበ ኣምላክ ኣቦና ቅዱስ ዳዊት...

እንቋዕ ናብ ጾመ ነነዌ ኣብጽሓና፦ ሰኑይ 2 የካቲት ክሳዕ ረቡዕ…

ጾመ ነነዌ ሓደ ካብቶም ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት እዩ። ኣብ ነነዌ ዝቕመጡ ዝነበሩ ሕዝቢ ጾይሞም ምሕረት ከምዝረኸቡ፡ ሕዝበ ክርስቲያን ድማ...

አሥርቆት ዘወርኀ የካቲት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! አሥርቆት ዘወርኀ የካቲት ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ የካቲት ያብጽሐነ እስከ ወርኀ መጋቢት በሰላመ እግዚአብሔር...

ገዳም ደብረ ጽጌ ጺዳርዋ ኣቡነ እንድርያስ (ሰፍኣ)

ገዳም ደብረ ጽጌ ጺዳርዋ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ሰፍኣ ምብራቕ ካብ ዓዲ ፈለስቲ ኣብ 1760 ሜትሮ ብራኸ ይርከብ። እዚ ገዳም’ዚ...

ገዳም ወግረ ስኂን ኣቡነ እንድርያስ (ዕፉን)

ገዳም ወግረ ስኂን ኣቡነ እንድርያስ ዕፉን ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ዝርከብ ኮይኑ፡ ካብ ዓረዛ ንሸነኽ ደቡብ 33 ኪ.ሜ...

ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል ዓመታዊ በዓል ብድምቀት ተኸቢሩ!

ቀዳም 23 ጥር 2012 ዓ.ም. (01/02/2020 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ቅድስት ሃገር እስራኤል ዓመታዊ ክብረ በዓል ዕረፍታ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ከምኡ...

  

latest articles

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...