መበል 50 ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ምምሥራት ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን (ዕዳጋ ኃሙስ) ብኽብሪ ተባዒሉ!

Jan 16, 2020

7 ጥር 2012 ዓ.ም.ግ (16 ጥሪ 2020 ፈ.) ክብረ በዓል ቅድስት ሥላሴ ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ክኸብር ከሎ ብፍሉይ ግን ኣብ ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን ዕዳጋ ኃሙስ ምስ ምጽንባል መበል 50 ዓመት ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ምምሥራት እቲ ደብሪ ብምዕሩግ መንፈሳዊ መደባት ተኸቢሩ።

ሊቃውንት መምህራን ካብ ድሮ እቲ ዕለት ብዋዜማ ጀሚሮም ክሳዕ ወጋሕታ ሰዓታት ጸሎተ ቅዳሴ ዝበጽሕ ብስብሐተ ማኅሌት ንእግዚአብሔር ከድንቑን ከመስግኑን ክልምኑን ኃዲሮም።

ብብፁዕ አቦና አቡነ ሉቃስ ዝተመርሐ ጸሎተ ቅዳሴ ሰዓቱ ሓልዩ ምስ ተሠርዐ ድማ ዑደተ ታቦት ብብፁዕ አቡነ ሉቃስ፡ ውሉደ ክህነት ምእመናንን ምእመናትን ተዓጂቡ ምስ ተፈጸመ ኣብ ዓውደ ምሕረት ዝተፈላለየ መርሐ ግብር ተከናዊኑ።

ሠለስተ ሊቃውንት ነቲ ክብረ በዓል ዝውክል ለዘብ ምስ ኣስምዑ “ኵሉ ይሰግድ ለሥላሴ ወይትቀነይ ኵሉ ለመንግሥተ ሥላሴ / ኵሉ ንሥላሴ ይሰግድ፡ ንመንግሥተ ሥላሴ ይግዛእ” እናበሉ ኣሸብሺቦም።

ካብ መዘምራን ትምህርቲ ሰንበት ውን “ዜና ህላዌኹም” ዝኣርእስታ ግጥሚ ምስ ተነበት፡ ብኅብረት “እመኑ በአብ እመኑ በወልድ ወእመኑ በመንፈስ ቅዱስ” እናበሉ ኣከታቲሎም ሠለስተ መዛሙር ዘሚሮም።

መምህር ፍሥሐ ኢዮብ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከተ ወንጌል ከኣ ብዛዕባ ሠለስትነትን ሐድነትን ሥላሴ ኣሰፊሖም ምሂሮም።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣመኃዳሪ ናይቲ ደብሪ ቀሲስ ተስፋሥላሴ እስጢፋኖስ፡ ንዅሎም ብቁመትን ጉልበትን ንዋትን ነቲ በዓል ዘማዕረጉ “ሥሉስ ቅዱስ ዓስበ መንግሥቱ ይሃብኩም’ ብምባል ቃል ምስጋና ምስ ኣስምዑ እቲ መርሐ ግብር ብጸሎትን ምህላን ተዛዚሙ።

ቅድስት ሥላሴ ክንብል ከሎና አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ማለትና እዩ። በዚ ስም እዚ ተፈጢርና፤ በዚ ስም እዚ ተጠሚቕና ዳግማይ ንውለድ፤ ነዚ ስም እዚ ኸኣ እናኣመስገንና ንነብር፤ በዓለ ሥላሴ’ውን ነኽብር። (ዘፍጥ. 1፥26፡ መዝ. 33፥20፡ 28፥19)።

ከምዝፍለጥ ኵሉ ጊዜ በዓል ሥላሴ እኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ በብዓመቱ 7 ጥር ኣብቲ ናይ እግዚአብሔር ሓድነትን ሠለስትነትን ዝተረጋገጸሉ ዕለት ግና ብድምቀት በዓለ ሥላሴ ይበዓል እዩ። (ዘፍ. 11፡1-9)

ስብሐት ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ይእዜኒ ወዘልፈኒ ለዓለም ወለዓለመ ዓለም፡ አሜን።

ዘመነ ማቴዎስ 19 መስከረም 2013 ዓ.…

September
Tuesday
29
ዝክር፦ ጎርጎርዮስ ሊቀ ጳጳሳት ዘአርማንያ፡ ወአባ ቂርቆስ ገዳማዊ። ዘቅዳሴ ምንባብ መልእክታት ኤፌ. 2፡13-ፍጻሜ 1ይ ጴጥ. 5፡1-6 ግብ. ሐዋ. 14፡1-7 ምስባክ መዝ. 70/71 ወንጌል ማቴ. 12፡9-21 ቅዳሴ ቅዳሴ ዘዮሐንስ አፈ ወርቅ። * * *
00:00 h
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ክብረ በዓል ቅዱስ መስቀል 2013 ዓ.ም. ብመንፈሳዊ ተመስጦን ሓበንን ተባዒሉ!

ትማሊ ዕለት 17 መስከረም 2013 ዓ. ም. ክብረ በዓል ቅዱስ መስቀል፡ ዓቃቤ ወንበር ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ...

“ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም” ዕብ. 13፡7 - አቡነ…

ቅዱስ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ካብ ኣቦኡ ክርስቶስ ሞዐን፡ ኣደኡ ሥነ ሕይወትን ኣብ እንድርታ፡ ጽራእ ኣብ ዝተባህለ ዓዲ ተወልደ። ክርስቶስ ሞዐን ሥነ...

ወገብረ ሰላመ በደመ መስቀሉ/ ብደም መስቀሉ ሰላም ገብረ። ቈላ. 1፡19-20

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!    * ኣመጻጽኣ መስቀል፣ መስቀል ማለት ‘ሰቀለ’ ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝተረኽበ ኾይኑ ትርጕሙ ድማ ዝተመሳቐለ...

እንቋዕ ናብ በዓለ መስቀል 2013 ዓ.ም. ኣብጽሓና!

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን እትነብሩ ምእመናንን ምእመናትን፣ ቅዱስ ፍቓዱ ኮይኑ ካብ ዘመነ ዮሓንስ ናብ ዘመነ ማቴዎስ ዘሰጋገረና እግዚአብሔር ኣምላኽና፣ እንቋዕ...

ንቤት ንባብ ደብረ ሲና ቅድስት ሥላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ዘገልግል…

ንቤት ንባብ ደብረ ሲና ቅድስት ስላሴ መንፈሳዊ ኮሌጅ ኣብ መሥርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ከም መወከሲ ዘገልግል መጻሕፍቲ ብገባሬ ሠናይ ኣቶ ቴድሮስ...

ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት ቅዱስ ዮሐንስ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ…

ብዕለት 2 መስከረም 2013 ዓ.ም.ግ. “እግዚአብሔር ከኣ በደልካ ኣርሒቑልካ እዩ ኣይትመውትን ኢኻ” 2ይ ሳሙ. 12፡13 ብዝብል ኃይለ ቃል ዓመታዊ በዓል...

ካብ ርእሰ ዓውደ ዓመት ክሳዕ ፀአተ ክረምት

1. ካብ ዮሐንስ (መለወጢ ዘመን ) ክሳዕ ዘካርያስ (1 መስከረም ክሳዕ 8 መስከረም) ሓድሽ ዓመት ዝትክኣሉ እዋን ስለዝኾነ ኣብ ልቢ ክርስቲያን...

በዓለ ሥእል ዘጼዴንያ

ብመሠረት ትምህርቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ቅዱሳት ኣሣእል ብዙኅን ዓቢይን ጥቕሚ ይርከብ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከቡ ትምህርትታትን ታሪኻትን ብሥእላዊ ኣገላልጻ...

ሓድሽ ዓመት ብሓድሽ መንፈስ!

ኣብቲ ብብርሃን ዝወቀበ ዘመን ኣዳራሽ ፡ ኣርባዕተ ወንጌላውያን ከም ዕንቍ ተኾሊዖም ብሓጐስ ዝነብርሉ፡ ሓደ ንበይኑ ኣብ መደቡ ግልል ኢሉ ነበረ።...

ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት ሰንበት ቅዱስ ሩፋኤል ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ…

ብዕለት 3 ጳጕሜን 2012 ዓ.ም.ግ. “ሕይወቱ ምሉእ ንእግዚአብሔር ኣሚኑ ዝኃፈረ የለን” መጽ.ሲራ. 2፡10 ብዝብል ኃይለ ቃል ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርት...

ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ገዳመን ክሓንፃ ፕላን ኣጽዲቀን…

ናይ ደቀ ኣንስትዮ ገዳም ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ብ29 መስከረም ብሠናይ ፍቓድ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ተገደመ ቤተ ጸሎት፡ መንበሪ...

ኣብ ምድላው ዝርከብ ሥርዓተ ትምህርቲ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ንምግምጋም ጉባኤ…

ብዕለት 4-5 ጳጕሜን 2012 ዓ.ም. ኣብ ኣዳራሽ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ንኣብ ምድላው ዝርከብ ሥርዓተ ትምህርቲ (ካሪክሉም) ዝግምግም ጉባኤ ተቓኒዑ።...

  

latest articles

The feast of the Holy Cross - Mesekel (The Founding…

The Mesekel holiday is celebreated on Meskerem 17 (27th of September) and Megabit 10 (19th of March). The word Meskel...

The Ascension of St Mary (part two)

Moreover, Whilst John the evangelist was preaching in the country of Asia, on the sixteenth day of the month of...

The Ascension of St Mary (part one)

"At your right hand stands the queen." (Psalm 45:9)IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY...

The Fast of Assumption of the Virgin Mary

This fast lasts from Nehassie (August) 1 to 16. Our Lady departed on 21 of Ter (January) in 50 A.D...

“Blessed is he that considereth the poor” Ps. 41:1

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God Amen. The basic necessities...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

The Fast of Wednesdays and Fridays

Every week Wednesdays and Fridays are observed as fast days except during the fifty days (between Easter and Pentecost), and...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

The feast Of Pentecost

IN THE NAME OF THE FATHER AND THE SON AND THE HOLY SPIRIT, ONE GOD. On this day the Holy...

Ascension

After the Lord Jesus Christ had finished the operation of His wisdom upon earth, by His Passion, and His Death...

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...