Print this page

ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ፈለስቲ ሰፍኣ ሓዋርያዊ ዑደት ፈጺሞም!

Dec 05, 2019

ብዕለት 20 - 21 ኅዳር 2012 ዓ.ም.ግ. ብፁዕ ኣቡነ ዮሓንስ ሊቀ ጳጳስ ኣህጉረ ስብከታት ጋሽ ባርካን ድባርዋን ከባቢኣን ናብታ ካብ ድባርዋ 35 ኪ.ሜ. ንሸነኽ ምዕራብ እትርከብ ዓዲ ፈለስቲ ሰፍኣ፡ ኃያል ዓቐብን ኵርኳሕን መንገዲ ተጓዒዞም ቡራኬን ቃለ ምዕዳንን ሂቦም።

ሕዝቢ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ፈለስቲን ብሓፈሻ ሰፍኣ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢን ን25 ዓመታት ዝኣክል ናይ ጳጳስ ቡራኬ ዘይረኸበ ንብዙኅ ጊዜ ብፁዓን ኣቦታት ክመጽዎምን ቡራኬ ክህብዎን ብሃንቀውታ ይጽበ ብምንባሩ ፡ ቀዳም 20 ኅዳር ምምጻእ ብፁዕ ኣቦና ምስ ሰምዐ፡ ብዓቢይ ክብሪ ድሙቕ ኣቀባብላ ገይርሎም።

ብፁዕ ኣቦና፡ ትኽ ኢሎም ናብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ድንግል ማርያም ጽዮን ብምምራሕ፡ ጸሎተ ዕጣን ኣዕሪጎም። “ቅዱስ” ኢሎም ኣብ ጸሎተ ዋዜማ ከምኡ’ውን ናብ 21 ኅዳር ዘውግሕ ለይቲ ዝተቖመ ስብሐታት ተሳቲፎም። ግቡእ ትምህርተ ክህነት ንዝተማህሩ ሸሞንተ ዲያቆናት ብሢመተ ክህነት ቀቢኦም። ብፁዕ ኣቦና ብመሪሕነቶም ጸሎተ ቅዳሴ ብምሥራዕ ቡራኬኦም ሂቦም።

ታቦት ብብፁዕ ኣቦናን ሊቃውንትን ተማሃሮ ትምህርተ ሰንበትን ብኣማኢት ዝቝጸሩ ምእመናንን ምእመናትን ተዓጂቡ ሠለስተ ጊዜ ምስ ዖደ ኣብ ዓውደ ምሕረት ቆመ እሞ ብሊቃውንት ያሬዳዊ ዜማን ሸብሸቦን ከምኡ’ውን ብተማሃሮ ትምህርተ ሰንበት መዛሙርን ግጥምን ምስ ቀረበ ነቲ ዕለት ዝምልከት ትምህርቲ ብብፁዕ ኣቦና ተዋሂቡ። ንቤተ ክርስትያን ቅድስት ድንግል ማርያም ዓዲ ፈለስቲ ድማ ብጥንታውነቱን ዕብየቱን ካብ ሎሚ ንደኃር "ደብረ ጽዮን ቅድስት ድንግል ማርያም" ተባሂሉ ክጽዋዕ ሠይሞሞ፡፡

ኣብ መወዳእታ፡ ጸሎተ ምህላ ምስ በጽሐ ታቦት ኣብ መንበር ክብሩ ተቐሚጡ።
ሓዋርያዊ ዕዮኦም ብምቕጻል ብፁዕነቶም፡ ምስ መራሒ ሥራሕ ሃገር ስብከት ድባርዋ ሊቀ ካህናት ኣብርሃም እስቲፋኖስን ሠራሕተኛታት ሃገረ ስብከትን ንኡስ ሃገረ ስብከትን ኃቢሮም ናብቲ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ንመሕነፂ ቤት ጽሕፈት ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ ፈለስቲ ሰፍኣ ዝተዋህበ መሬት ንምርኣይ ‘ጎልጎል ዓዲ’ ዝተባህለ ቦታ ከይዶም። ብመራሒ ሥራሕ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሊቀ ካህናት ገብረ ትንሣኤ ድማ ህልው ኵነታት ናይቲ ሥራሕ መብርሂ ተዋሂብዎም። ብፁዕ ኣቦና ኸኣ ኣቦታዊ ምኽርን መምርሒ ሥራሕን ብምሃብ ሓዋርያዊ ዑደቶም ብሰላም ዛዚሞም።