ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሀገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ሓዋርያዊ ዑደቱ ፈጺሙ!

Nov 15, 2019

ብብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ጳጳስ ሀገረ ስብከት መንደፈራን ከምኡ’ውን ብብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ሊቀ ጳጳስ ሀገረ ስብከት ድባርዋን ጋሽ ባርካን፡ ብተወሳኺ ድማ ምክትል ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ሊቀ ካህናት ቀሲስ ሣሙኤል ጸጋይ ዝተመርሐ ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ካብ ዕለት 30 ጥቅምት ክሳዕ 12 ኅዳር 2019 ዓ.ም. ከካይዶ ዝቐነየ ሓዋርያዊ ዑደት ፈጺሙ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዑደቱ፡ ምስ ካብ 78 ኣብያተ ክርስቲያናትን ማኅበራትን ዝተወከሉ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ዘተኮረ ክልተ መዓልቲ ዝወሰደ ዓመታዊ ጉባኤ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን ካናዳን ተሳቲፉ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋናዊን መብርሂ ዘድልይዎ ጉዳያት ዝርዝራዊ መልሲ፡ ንተጋባእቲ ኣብ ርእሲ ምሃቡ፡ ህልው መንፈሳዊን ምኅደራዊን ልምዓታዊን ገስጋሰ ቤተ ክርስቲያን መግለጺ ሂቡ። ኣብ ወፃኢ ዝምድናታት ንዝግበር ዘሎ ርክባትን ውፅኢቱን ድማ መብርሂ ሂቦም።

ብተወሳኺ ድማ ብፁዓን ኣቦታት፡ ኣብ ክብረ በዓል መድኃኔ ዓለም ኦክላንድ ብምስታፍ ጸሎተ ቅዳሴ ሠሪዖም ንሕዝበ ክርስቲያን ባሪኾምን ኣጸናኒዖምን። ኣብ ሃገረ ባዕድ ብልዑል ተወፋይነትን ትግሃትን ትምህርተ ዲቁና ዘጽፈፉ ኃሙሽተ ተመሃሮ ካብ ኦክላንድ፡ ሓደ ተመሃራይ ድማ ካብ ሳንሆዘ ብኢድ ብፁዕ አቡነ ሉቃስ ተሠይሞም።

ንጽባሒቱ 30 ጥቅምት 2012 ዓ.ም. ብመሪሕነት ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ ኣብ ቅድስት ሥላሴ ሜሪላንድ ከምኡ ድማ ብፁዕ አቡነ ሉቃስ ኣብ ሳንሆዘ ጸሎተ ቅዳሴ ብምሥራዕ ኣቦታዊ ጸሎትን ቡራኬን ኣመኃላሊፎም።

ብኣጋጣሚ ናይ’ዚ ዑደት’ዚ ምስ ሓንቲ ካብ መራኸቢ ብዙኃን ኅቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ዝኾነት ማዕከን ዜና ድምፂ ኣሜሪካ ንህልው ኵነታት ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳይ 3ይ ፓትርያርክ ነበር ኣመልኪቶም ሰፊሕ ቃለ መሕተት ኣካይዶም።

ልኡኽ ቅዱስ ሲኖዶስ ድኅሪ ናይ ክልተ ሰሙን ሐዋርያዊ ዑደቱ ብዕለት 09/11/2019 ናብ ሃገሩ ብሰላም ተመሊሱ።

ዘመነ ዮሐንስ፦ 4 ታኅሣሥ 2012 ዓ.…

December
Saturday
14
ዝክር፦ እንድርያስ ሓዋርያ ፡ አባ ፃእ፡ ወያዕቆብ፡ ወዘካርያስ፡ ወስምዖን፡ ወታዖድራ፡ ወታውፍልያ። ዘቅዳሴ ምንባብ፦ 2ይ ቆሮ. 11፡21-ፍጻሜ። 1ይ ዮሐ. 4፡7-16-ፍጻሜ። ግብ. ሐዋ. 4፡29-ፍጻሜ። ምስባክ፦ መዝ. 98/99። ወንጌል፦ ማቴ. 4፡17-22። ቅዳሴ፦ ዘሐዋርያት። * * *
00:00 h

  

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ሓዋርያ ቅዱስ እንድርያስ - ‘በኵረ ሓዋርያት፡ ተባዕ ለመስቀል’

• ‘እንድርያስ’ ፦ ‘በኵረ ሓዋርያት’ ማለት እዩ።ቅዱስ እንድርያስ ኃው ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኑ ኣብ ዓዱ ቤተ ሳይዳ ብምግፋፍ ዓሣ ይናበር...

ክብረ በዓል በአታ ለማርያም ብድምቕ ዝበለ ሥነ ሥርዓት ተኸቢሩ!

ዓመት መጽአ 3 ታኅሣሥ ዝኽበር ‘በአታ ለማርያም’፡ ሎሚ ዓመት’ውን ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ብድምቀት ተኸቢሩ። ብፍላይ ድማ ኣብተን ብስም በአታ...

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ኣብ እስራኤል ብዘጋጠመ ኵነታት ቃለ ምጽንናዕ…

ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ነቲ ብዕለት 23 ኅዳር 2012 ዓ.ም. (03 ታኅሣሥ 2019 ፈ.) ዘጋጠመ ኵነታት ኣዝዩ ዘሰንብድን ልቢ ዝትንክፍን...

ቤተ መቅደስ ናብ ቤተ መቅደስ ኣትያ - ‘በአታ ለማርያም’

‘በአታ ለማርያም’ ፦ ማለት ምእታው ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ቤተ መቅደስ ማለት እዩ። ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዘርኢ እሴይ፡...

ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ኰዳዱ አቡነ ብፁዓ አምላክ ብዓቢይ ክብሪ…

ዓመት መጸ 1 ታኅሣሥ ዝብዕል ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ኰዳዱ ኣቡነ ብፁዓ አምላክ፡ ሎሚ ዓመት ድማ ሕዝበ ክርስቲያን ናይዚ ክብረ...

ዘመነ አስተምህሮ (6 ኅዳር ክሳዕ 6 ታኅሣሥ)

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዕለት፡ ብፍላይ ከኣ ዕለተ ሰንበት እሑድ ዝዝመር፡ ዝስበኽ፡ ዝንበብን ዝቕደስን ብሓፈሻ ዝበጽሕ ስብሐታትን ዝንበብ ቃለ እግዚአብሔርን ምሥጢር...

ታሪክ ሠለስቱ ደቂቅ ንሕፃናት

  ከመይ ቀኒኹም ሕፃናት ሎሚ ብዛዕባ ታሪኽ ሠለስቱ ደቂቅ ክንመሃር ኢና! ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል ዝበሃሉ ሠለስተ መንእሰያት ነበሩ። እዞም መንእሰያት’ዚኦም ብምርኮ ኣብ...

ዓመታዊ በዓል ቤተ ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ኤፍራታ ብመሳጢ መንፈሳዊ መደባት…

28 ኅዳር 2012 ዓ.ም.፡ ዓመታዊ በዓል ቤት ትምህርቲ ሰንበት ደብረ ኤፍራታ ቅዱስ ዑራኤል ቤተ ክርስቲያን ቀሓውታ፣ “ንቤተ ክርስቲያነይ ኣብ ልዕሊ...

አሥርቆት ዘወርኀ ዘታኅሣሥ

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ታኅሣሥ ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ጥር በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ታኅሣሥ ቡሩክ መዓልቱ ፱ ወእምዝ ይትዌሰክ። ሎሚ ቡሩኽ...

ገዳማት ደብረ ምዕዋን ወደብረ ኰዳዱ ኣቡነ ብፁዐ ኣምላክ !

ያፍቅረነ እግዚእን ዘመደ ማርያምን ዝበሃሉ ፍቅረ እግዚአብሔር ዘለዎም ብሃይማኖት ጽኑዓትን ብሥነ ምግባር ትጉሃትን ሰብ ኃዳር ነበሩ። ወትሩ ብጸሎት ንቑሓት ስለዝነበሩ፡...

ይትዔገሥ ከመ ዘኢየአምር

 ከም ዘይፈልጥ ይዕገሥ!” (ቅዳሴ ሠለስቱ ምእት ቍ. 59-60) እግዚአብሔር፡ ብባህሪኡ ከሀሌ ኵሉ፡ ማእምረ ኵሉ፡ ምሉእ በኵለሄ እዩ። “አኃዜ ዓለም በእራኁ ኵሉ እኁዝ...

“ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንኃድግን ኢና” ነህ. 10፡39

ተረፈ ምርኮን ካብ ምርኮ ዝተመልሱን እስራኤላውያን ብመሪሕነት ካህን ዕዝራን ነህምያን ኃይለ እግዚአብሔር ተዓጢቆም፡ ዝፈረሰ ቤተ መቅደስን፡ ዝዓነወ ቐጽሪ ኢየሩሳሌምን መቓብር...

  

latest articles

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...

HOLY SCRIPTURES (part one)

All Scriptures are written with the inspiration of the Spirit of God or the breath of God. They are also...

EXISTENCE OF GOD

The name God signifies the Divine Being, meaning He who created the world and governs it. There is one invisible...