ኣብዚ ልዕሊ 265 ተሳተፍቲ ዝነበርዎ ጉባኤ ብሸሞንተ ምሁራን ኣብ ባህልን ሰነዳዊ ውርሻን ዘተኮረ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ክቐርብ ከሎ፡ መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብዝተገብረላ ዕድመ ሠለስተ ወከልቲ ዝኾኑ ቀሲስ መብራህቶም ብርሃነ፡ ቀሲስ መንግሥተአብ በየነን መሪጌታ ፊልሞን የማነብርሃንን ብዛዕባ ገዳማትን ቅርስታቶምን ዝገልጽ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣቕሪቦም። እዚ መጽናዕታዊ ጽሑፍ’ዚ ትርጕም ቅርሲ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝርከቡ ዓይነታት ቅርስታት፡ ህልው ኵነታት ቅርስታትን ኣብ ዕቃበ ዘተኮረ ውጥን ዕዮን . . . ዘጠቓልል ነይሩ።