ላዕለዋይ ምምሕዳራዊ መሪሕነት ፈጻሚት ኮሚቴ (Executive Committee) ቤት ምኽሪ ማኅበር ኣብያተ ክርስቲያን ዓበይቲ ቀላያትን ቀርኒ ኣፍሪቃን ፌክላሃ ጉባኤኦም ዛዚሞም ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዑደት ድኅሪ ምግባር ብሰላም ተፋንዮም

Apr 09, 2025

ናይ 2005 ዓ.ም.ፈ ፈላሚ ጉባኤ ላዕለዋይ ምምሕዳራዊ መሪሕነት ማለት ፈጻሚት ኮሚቴ ቤት ምኽሪ ማኅበር ኣብያተ ክርስቲያን ዓበይቲ ቀላያትን ቀርኒ ኣፍሪቃን Executive Committee of Fellowship of Christian Councils and Churches in the Great Lakes and Horn of Africa (FECCLAHA) ኣብ ኤርትራ ካብ 1-5 ሚያዝያ ንተኸታተልቲ ሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ጉባኤ ከም ዘካየዱ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እንሆ ድማ ኣቐዲሙ ንዝተሠርዐ ጉባኤኦም ብሕጉስ መንፈስ ዛዚሞም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዑደት ብምግባር ብሰላም ተፋንዮም።

እዞም ካብ ሃገረ ኬንያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ብሩንዲ፡ ዛምብያ ዝተወከሉ መራሕቲ፡ ነቲ ሕዞምዎ ዝጸንሑ ኣብ ሓፈሻዊ ምምኅዳራዊ ዕዮታት እዚ ማኅበርን ናይዚ ዓመት ውጥናዊ መደባትን ሸቶትታትን ምስኡ ዝተሓሓዙ ፋይናንሳውን ባጀታውን ጸብጻብን ምቕርሐን ዝምልከት ጉባኤን፡ ርክብ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ ብፍላይ ድማ ምስ ኣባላት ናይዚ ማኅበር ዝኾና ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያናን ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤተ ክርስቲያንን ብሕጉስ መንፈስ ዛዚሞም።

 

ኣብ ዝቐጸሉ መዓልታት ድማ እዞም ላዕለዋይ ምምኅዳራዊ መሪሕነት ፈጻሚት ኮሚቴ ቤት ምኽሪ ማኅበር ኣብያተ ክርስቲያን ዓበይቲ ቀላያትን ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ኣብ ተወሳኺ ሕንጸት ዝርከብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ነገረ መለኮት ደብረ ሲና፡ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ኣብ ሕንጸት ዝርከብ ደብረ ደናግል ቅድስት ድምያና፡ ጉባኤ ማኅበረ ምእመናን አብያተ ትምህርተ ሰንበት ደብረ ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል ኣኽርያን ደብረ ፀሐይ አቡነ ተክለሃይማኖት ሓዝሓዝን፡ ከምኡ ድማ ኣብ ነፋሲትን ወደባዊት ከተማ ባጽዕን ዑደት ድኅሪ ምክያዶም፡ በቲ ኣብ ኤርትራ ዘኅለፍዎ ቅንያትን ብዓይኖም ዝተዓዘብዎ ሰላምን ኣድናቖቶም ብምግላጽ ብሰላም ተፋንዮም።

እዚ ማኅበር እዚ ስሙ ብልክዕ ከም ዘነጽሮ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓበይቲ ቀላያትን ዝርከባ ሃገራት ጥራይ ዘጠቓልል ዞባዊ ማኅበር ኮይኑ፡ ብተመሳሳሊ ንዅለን እዘን ሃገራት ሓዊሱ ድማ ንምልኣት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓቍፍ ማኅበር ኣብያተ ክርስቲያናት ኣፍሪቃ (All African Council of Churches, AACC) ድማ ብደረጃ ኣህጕር ኣፍሪቃ ዝተመዝገበ ማኅበር፡ ንኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሓዊሱ፡ ናይ ግብጽን ኢትዮጵያን ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያናት ብደረጃ ኣባልነት ዝነጥፋሉ ማኅበር ምህላዉ ይፍለጥ።

 

ቅድስት ቤተ ክርስቲያና ብመሪሕነት ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታትን ፕሮትኮላዊ ጉዳያት ቅዱስ ሲኖዶስን ቀሲስ በረኸት ኪዳነ ንዝመጽእ ክልተ ዓመታት ኣባል ፈጻሚት ኮሚቴ እዚ ማኅበር ኮይና ከተገልግል ብምልኣት ከም ዝተመርጸት ይፍለጥ፡ ብተወሳኺ እዚ ጉባኤ  ፈጻሚት ኮሚቴ ንፈለማ እዋን ኣብ ኤርትራ ኣብ 2013.ፈ ዝተቓንዐ ኮይኑ፡ እንሆ ድማ ድኅሪ 12 ዓመት ኣብ ሃገርና ኤርትራ ንኻልኣይ ግዜኡ ብምክያዱ ፍሉይ ይገብሮ።

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

ዜና ኅትመት

No events found.

እዋናዊ ጽሑፋት

ታሪኻዊ ገዳም ደብረ ጥሉል እንዳቦና

ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ጥንታውያን ሰነዳትን ታሪኻውያን ቅርስታትን መንፈሳዊ ትውፊታትን ምስ ዝድኅሠሡ፡ ኣብኡ ታሪኽ ገዳማትን ቅዱሳን ኣበውን ኣሎ። ሎሚ እምበኣር ብሓፂሩ፡ ታሪኽ...

ቅድስት ስክርቲና ስንክሳር ፲፭ (15) ነሓሴ

ኣብዛ ዕለት’ዚኣ ቅድስት ክርስጢና (ክርስቲና) ጓል ርባኖስ መኰንን ሰማዕትነት ተቕበለት። ኣቦኣ ጣዖታት የምልኽ ስለዝነበረ ንሳ ውን ከምቲ ኣቦኣ ዝመሃራ ጌራ...

ውዳሴ ማርያም ዘሠሉስ

በዚ ዕለት’ዚ ድንግል ማርያም ትመጽእ ብርሃናዊ ምንጻፍ ይንጸፍ ብርሃናዊ ድባብ ይዝርጋሕ ኣብቲ ላዕሊ ኾይና “ሰላም ለከ ኦ ፍቁርየ ኤፍሬም” ትብሎ...

“ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ" - ደብረ ታቦር

ኣብ ምድረ እስራኤል፡ ካብ ባሕሪ ገሊላ ንሸነክ ምዕራብ ዝርከብ እምባ እዩ። ቅዱስ ወንጌል (ማቴ. 17፡1-13) ከም ዝነግረና፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን...

ውዳሴ ማርያም

ውዳሴ ማርያም ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ካብ ዝደረሶም መጻሕፍቲ ሓደ መጽሓፈ ጸሎት እዩ። ቅዱስ ኤፍሬም መንፈስ ቅዱስ ብዝገለጸሉ፣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንደቂ...

ክብረ በዓል ጻድቅ አቡነ ፊልጶስ ኣብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ጊንዳዕ…

ብዕለት 05 ነሓሴ ፳፻፲፰ ዓ.ም (11 ነሓሴ 2026 ፈ.ረ) ዝክረ በዓል ዕረፍቱ ንጻድቅ ኣቡነ ፊሊጶስ፣ ብፁዕ ኣቡነ ጎርጎርዮስ ጳጳስ ኣህጉረ...

ክብረ በዓል ጻድቅ አቡነ ፊልጶስ ኣብ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣስመራ…

ብዕለት ፭ ሐምሌ ፳፻፲፰ ዓ.ም (11 ሐምሌ 2026 ፈ.ረ) ዝክረ በዓለ ዕረፍቱ ለጻድቅ ኣቡነ ፊሊጶስ ኣብ ኵለን ብስሞም ዝተሓንፁ ገዳማትን...

ፅንሰታ ለማርያም - 7 ነሐሴ

ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድመ ዓለም ኣብ ሕሊና አምላኽ ስለዝነበረት ገና ከይተወልደት ትንቢት ተነጊሩላ ሱባዔ ተቘጺሩላ ነበረ። ምስ ተወልደት’ውን ኣደ አምላኽ ከም...

'ትእምርተ ጽንዓት ሃይማኖት - ጥንታዊ ገዳም ደብረ ቢዘን'

‘ቢዘን’፦ ሚዛን፡ ማዕረ ማለት’ዩ። ከምቲ ወርቅን ብሩርን ብሚዛን ዝምዘን፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ደብረ ቢዘን ጻድቃንን ኃጥኣንን፡ ድኹማትን ፍጹማንን ዝምዘንሉ ገዳም...

ክብረ በዓል ሰማዕት ቅዱስ ቂርቆስ ምስ ኣዲኡ ቅድስት ኢየሉጣን ኣብ…

ብዕለት ፲፰ ሓምለ 2018 ዓ.ም (25/07/2026 ፈ.ረ) ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ንኡስ ሃገረ ስብከት ዓዲ እንግሊዝ ከተማ በርሚንግሃም፡ ብፁዕ ኣቡነ ጳውሎስ ጳጳስ...

“ሞት ብጥሪ ብነሓሰ ቀብሪ”

“ሞት ብጥሪ ብነሓሰ ቀብሪ” ከመይ  ኢሉ ይኸውን፧ እዚ ቃል እዚ ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ንሓዋርያት ዝሓተቶ ሕቶ እዩ። እዚ ኃይለ ቃል...

ግደ ወለዲ ኣብ ምዕቃብን ምምኅልላፍን ትንህርትን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን

ወላዲ ማለት ዝወልድ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ብመንፈሳዊ ተግሣፅን ምኽርን ዘዕቢ ዝከናኸን ዝምህርን ብሕይወቱ ድማ ኣርኣያ ዝኸውንን እዩ። ብሥጋ ኾነ ብመንፈስ ወለዲ...

  

latest articles

Saint Cyrus (Kiros) - 8 Hamle

    Today, St. Cyrus (Kiros) departed. He was the brother of Emperor Theodosius the Great. This saint knew will the...

Miracle at Cana of Galilee

  On this day 12ths January Geez calander, the church celebrates the commemoration of the miracle that our Lord Jesus...

The feast of the Nativity of Our Lord Jesus Christ…

On the day of 29 December 2018 geez calendar, we celebrate the birth of Our Lord Jesus Christ, the incarnated...

HIS HOLINESS ABUNE BASILIOS'S PASTORAL MESSAGE ON THE FEAST OF…

In the Name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “For behold, I bring...

The Sovereignty and patriarchal election of Eritrean Orthodox Tewahedo Church

There was never a time when our country Eritrea, the land of God, was devoid of the worship of God...

Transfiguration: (Debre Tabor)

This is the day celebrated on Nehase (August) 13 G.C. in which Our Lord Jesus Christ during his ministry, manifested...

St. Nathaniel (10 Hamle)

Saint Nathaniel is one of the great twelve apostles. This saint was from Cana of Galilee, and he was learned...

The Apostle Saint Paul

Saint Paul was a Jew, of the tribe of Benjamin, a Pharisee, the son of a Pharisee; and his kinsfolk...

The Apostle st. Peter

Peter was from Bethsaida, and he was a fisherman.  Our Lord chose him on the second day following that whereon...

St. Thaddeus: (2 Hamle)

This blessed apostle our Lord chose, and he was of the number of the Twelve Apostles. When the Holy Spirit...

The Fast of the Apostles

The Apostles observed this fast after they received the Holy Spirit and before they set out to proclaim the Gospel...

13 January - The martyrdom of st.Demiana

On this day st. Demiana was martyred. This chaste and fighter virgin, was the daughter of Mark, Governor of El-Borollus...