“ኀለፈት ጽልመት ወብርሃን ዘበአማን ወድአ አስተርአየ / ጸልማት ኃሊፉ እዩ፣ ሓቀኛ ብርሃን ድማ ፈጺሙ ተራእዩ እዩ።” 1ይ ዮሐ. 2፥8

Sep 11, 2019

“ኀለፈት ጽልመት ወብርሃን ዘበአማን ወድአ አስተርአየ / ጸልማት ኃሊፉ እዩ፣ ሓቀኛ ብርሃን ድማ ፈጺሙ ተራእዩ እዩ።” 1ይ ዮሐ. 2፥8

እቲ ለይትን መዓልትን ጸልማትን ብርሃንን ኣፈራሪቑ ካብ ሰዓት ናብ ዕለት፡ ካብ ዕለት ናብ ሰሙን፡ ካብ ሰሙን ናብ ወርኂ፡ ካብ ወርኂ ናብ ዓመት ዘሰጋግር ፈጣሬ ኣዝማናት እግዚአብሔር፡ እንቋዕ ካብ ዘመነ ሉቃስ 2011 ዓ.ም. ናብ ዘመነ ዮሓንስ 2012 ዓ.ም. ኣሰጋገረና።  

ብመሠረት ኣቈጻጽራ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ካብ ሓደ ዓመት ናብ ካልእ ዓመት መሰጋገሪ ናይ መጀመርታ ዕለት ሓደ መስከረም ኮይኑ ንኽብርን መዘከርታን መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ፡ ርእሰ ዓውደ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ ይበሃል። እዚ ኸኣ ቅዱስ ዮሓንስ ናይ ዘመነ ብሉይ ዛዛሚ ናይ ዘመነ ሓዲስ ጀማሪ፣ ንኽረምቲ መውፅኢ ንሓጋይ መእተዊ፣ ካብ ነቢያት ናብ ሓዋርያት መሰጋገሪ ድልድል ስለዝኾነ እዩ።

ጊዜ፡ ምስ ሥነ ፍጥረት ዝመጸ ውህበት እግዚአብሔር እዩ። እግዚአብሔር ንፍጥረታቱ ኣብ ውሽጢ ጊዜ የመላልስን ይምግብን ይሕሉን። ነቲ ዝፍጽሞ ሥራሕ ብኣምላኽነቱ ኣብ ዝፈቀዶን ዝወሰኖን ጊዜ ደኣ ይፍጽሞ እምበር ንንግሆ ዝሓስቦ ንምሸት፡ ንሓጋይ ዝሓስቦ ከኣ ንኽረምቲ ኣይገብሮን እዩ። “ሣህሉ ለእግዚአብሔር በጊዜሁ/ ምሕረት እግዚአብሔር ኣብ ጊዜኡ እዩ!” (መዝ. 68፥13) ከም ዝብል። ኣዳም ብምክረ ከይሲ ተታሊሉ ትእዛዙ ምስ ኣፍረሰ እግዚአብሔር ኣብታ ዝመደባ ጊዜ ቀጽዖ። በደሉ ኣሚኑ ንስሓ ምስ ኣተወ ድማ ባዕሉ እግዚአብሔር ኣብቲ ዝወሰኖ ጊዜ ኣድኃኖ። ነዚ ንኸረድእ ድማ ንዋየ ኅሩይ ዝተሰምየ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ወአመ በጽሐ ጊዜሁ ፈነወ እግዚአብሔር ወልዶ ወተወልደ እም ብእሲት/ ጊዜኡ ምስ በጽሐ ድማ እግዚአብሔር ንወዱ ለኣኾ’ሞ ካብ ድንግል ማርያም ተወልደ” ይብል። (ገላ. 4፥4) 

 

ስለዚ ድማ እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ከምቲ ጥበበኛ ሰሎሞን “ንዅሉ ዘዘመኑ ኣለዎ። ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ኵሉ ነገር ከኣ ገጊዜኡ ኣለዎ። ንምውላድ ጊዜ ኣለዎ፣ ንሙማት ከኣ ጊዜ ኣለዎ . . . ” ዝበሎ (መክ. 3፥1-8)፣ ኵሉ ሥራሓትን መሥርሕ ሕይወትን ሰብኣዊ ፍጡር ኣብ መድረኽ ጊዜ ከም ዝፍጸም ገበሮ። በዚ’ውን መንፈሳውን ሥጋውን ዕዮ ዝፍጽመሉ ከምኡ’ውን ብውጥንን ትግሃትን ዝጥቀመሉ ጊዜ ሃቦ። ዓመት ኃሊፉ ብሓድሽ ክትካእ ከሎ፡ ነቲ ዝሃበና ጊዜ ተጠቂምና ኣብ ዝኃለፈ ዓመት ዝበለየ ሕይወትና ብሓድሽ ሕይወት ክንልውጦ ከም ዝግብኣና ክገልጽ ከሎ ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ መልእኽቱ፦ “ ወካዕበ ትእዛዘ ሐዲሰ እጽሕፍ ለክሙ ወውእቱ እሙን ብክሙ፡ ወአንትሙኒ ቦቱ እስመ ኃለፈት ጸልመት ወብርሃን ዘበአማን ወድአ አስተርአየ / ደጊመ ሓዲሽ ትእዛዝ እጽሕፈልኩም ኣለኹ። ከምቲ ንሱ ኣባኹም እሙን ዝኾነ ንስኻትኩም ድማ ብእኡ ጸኒዕኩም ንበሩ። ከመይ! ጸልማት ኃሊፉ እዩ፡ ብርሃን ድማ ፈጺሙ ተራእዩ እዩ” ይብለና። (1ይ ዮሓ. 2፡8) ምኽንያቱ ሓድሽ ዓመት እቶም ብጥንተ ተፈጥሮ ዝተረኽቡ ዕለታት ተደሚሮም ዝህብዎ ለውጢ እምበር ካልእ ዝተወሰኸ ሓዲሽ ነገር የለን። ነቲ ቀመር ሓልዩ ዝመላለስ ዘይልወጥ ጊዜ ሓዲሽ ዘብሎ ናትና ሥራሕ ብምዃኑ ንዝተዋህበና ጊዜ ኣብ በረኸት ሥጋን በረኸት ነፍስን ዘውህብ ዝተፈላለየ መንፈሳውን ሥጋውን ዕዮ ኸነውዕሎ ይግባእ።

ንልዑል እግዚአብሔር ፈሊጥና ፍቓዱ እንፍጽም፣ ትምህርተ ሃይማኖትን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን እንፈልጥ፡ ንዕለታዊ መነባብሮና ዘድልዩና መሠረታውያን ነገራት እነማልእ ምስ እንመሃር እዩ። ኵሉ ዝፈልጥ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ዓመቱ ኣብ ቤተ መቅደስ ኣብ ማእከል መምህራን ሊቃውንት ተቐሚጡ ዝሰምዕን ዝሓትትን ዝነበረ፡ ሰብ ንጊዜኡ ፍልጠት ኣብ ምቕሳም ከውዕሎ ከምዘለዎ ኣብነት ንምዃን እዩ።(ሉቃ. 2፥46) ነዚ ኣርኣያ ስዒብና በቲ ዝተዋህበና ጊዜ ምስትውዓል ኣጥሪና መንፈሳውን ሥጋውን ፍልጠት ምስ እንቐስም ሕይወት ከምእረክብ ጥበበኛ ሰሎሞን ኽገልጽ ከሎ፦ “ምስትውዓል ንዜጥርያ ሰብ ሕይወት ትህቦ” ይብል። (ምሳ. 16፥22) እግዚአብሔር ብነቢይ ሆሴዕ “ሕዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ” (ሆሴ. 4፥6) ከምዝበለ፡ መንገዲ ጽድቅን ኵነኔን እንፈልጥ ምስ እንመሃር ስለዝኾነ ኣብዛ ላዕልን ታሕትን፣ ኃጢኣትን መናፍቕነትን፣ ምፍኽኻርን ምልውዋጥን ዝዓብለላ ዓለም፡ ካብ ርቱዕ ሃይማኖትናን ሠናይ ምግባርናን ምእንቲ ኸይንወፅእ ንጊዜና ኣብ ፍልጠት ከነውዕሎ ይግባእ።
 

ሰብ ንፈቃደ እግዚአብሔር ዝፍጽመሉ፡ መንፈሳውን ሥጋውን ድሌታቱ ዘማልኣሉ ብሥራሕ እዩ። እግዚአብሔር ንኣዳም ፈጢሩ ናብ ገነት ዘእተዎ ኣብ ገነት ጽቡቕ ሥራሕ ንኽሠርሕን ንኽሕልዋን ምዃኑ “ንሰብ ወሲዱ ኺዓያን፡ ኪሕልዋን ኣብ ገነት ኣቐመጦ” ይብል። (ዘፍ. 2፥15) ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን “ነቲ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ዘዳለወልና ሠናይ ተግባራት እናፈጸምና ምእንቲ ኽንነብር ብኢየሱስ ክርስቶስ እተፈጠርና ኢና” ይብል። (ኤፌ. 2፥10) ደኃር’ውን ኣዳም ብኃጢኣቱ ናብ ምድሪ ኣብ ዝተሰደሉ እዋን ብርሃጹ ጽዒሩ ክበልዕ እዩ ኣዚዝዎ። (ዘፍ. 3፥17) 
 

ስለዚ ጊዜ ዝተዋህበና ካብ ፈቃደ እግዚአብሔር ከይወፃእና ብውጥን ኽንሠርሓሉ እዩ። ንጊዜና ብውጥን ኣብ ሥራሕ ምውዓል ብዓቢኡ ፆር ሥጋ ኣውኂዱ ካብ ኃጢኣት ንኽንሕሎ ዝሕግዝ እዩ። ቅዱሳን ኣቦታትና ሥራሕ አልቦ ኮይኖም ጊዜኦም ብኸንቱ ንኸየኅልፉ እሞ ፆር ሥጋ ንኸይብርትዖም፡ ኣብ ሥራሕ ተጸሚዶም ንርእሶም ኮይኖም ንኻልኦት ይምጽውቱ ከም ዝነበሩ ገድለ ቅዱሳን ይነግረና። ልዑል እግዚአብሔር እትሠርሓሉ ጊዜን ዝሓስብ ኣእምሮን ምሉእ ኣካል ምስ ጥዕናን ሂብካ ከሎ ብትህኪት ተታኂዝካ ንጊዜኻ ብዋዛን ፈዛዛን ምኅላፍ ከምኡ’ውን ተጊህካ ብቕንዕና ኣብ ተግባረ ነፍስን ተግባረ ሥጋን ዘይምውዓል ንመከራ ሥጋን ንመከራ ነፍስን ዘቃልዕ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ “ኪሠርሕ ዘይደሊ ኣይብላዕ” ክብል ከሎ (2ይ ተሰ. 3፥10) ጥበበኛ ሰሎሞን ድማ ‘ብልዕን ድቃስን ጥራይ እንተ ዄንካ ጨርቃም ኽትከውን ኢኻ’ ይብል።
 

ስለዚ በረኸት ሥጋን በረኸት ነፍስን ንምርካብ ነቲ እግዚአብሔር ዝሃበና ጊዜ ብውጥንን ትግሃትን ኣብ ሥራሕ ከነውዕሎ ይግባእ። (ምሳ. 23፥21) 
ኃጢኣት፡ ካብቲ ምስ እግዚአብሔር ዘሎና ርክብ ፈልዩ፣ ኣብዚ ምድራዊ ዓለም ንሽግርን መከራን፡ ኣብ ዝመጽእ ዓለም ድማ ንዘለዓለም ሞት ዘቃልዕ ብምዃኑ መፍቀሬ ንስሐ እግዚአብሔር ንስሓ ንኣትወሉ ጊዜ ሃበና። ነዚ ኽገልጽ ከሎ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ “ጐይታስ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኪበጽሑ እምበር ሓደ እኳ ኪጠፍእ ዘይፈቱ ስለዝኾነ፡ ምእንታኹም ይዕገሥ ኣሎ እምበር ከምቲ ንገሊኣቶም ዝድንጒ ዚመስሎም ንተስፉኡ ኣየደንጕዮን እዩ” ይብል። (2ይ ጴጥ. 3፥9-10) 
 

ኣብዚ ምድራዊ ዓለም ንኃጢኣትና ተዓጊሡ ኣብ ዕድመና ዕድመ ወሲኹ ሓድሽ ዓመት ባሪኹን ቀዲሱን ምሃቡ ተወሳኺ ካልእ ኃጢኣት ኽንፍጽመሉ ዘይኮነስ ንስሓ ንኽንኣትወሉ እዩ እሞ ንጠቀመሉ። “እምበኣር እግዚአብሔር ናይ ዘይምፍላጥ ጊዜ ኣኅሊፉ ሕጂ ግና ኣብ በቦታኦም ንስሓ ንኽኣትዉ ንደቂ ሰባት ኵሎም ይእዝዝ፡ መዓልቲ'ውን ይቘጽር” ከም ዝበሎ ጻውዒት ንስሓ ሰሚዕና ብዝተወሃበና ጊዜ ናብ እግዚአብሔር ንቕረብ። ምኽንያቱ ኣብዚ ምድራዊ ዓለም’ዚ ንኃጢኣትና ብንብዓት ንስሓ እንተዘየጽረና ዝጽበየና ቅጽዓትን ዋይዋይታን እዩ።

እምበኣር እቲ ካብ ዕለተ እሑድ ዝተፈጥሩ ፍጥረታትን ህልውና ሰብ ካብ ዝተፈልጠሉን እዋን ጀሚሩ ክሳዕ ሕጂ ዝቝጸር ዘሎ ጊዜ ሓዲሽን ኣረጊትን ዘብሎ ቀመራዊ ኣቈጻጽራ ጥራሕ ዘይኮነስ ዋና ነገር ለውጢ ናይ ሕይወትና ማለት ንዝተዋህበና ጊዜ ኣብ ትምህርቲ፡ ሥራሕ፡ ንስሓ . . . ብምሉኡ ኣብ ረብሓ ምውዓል ምዃኑ ነስተውዕል። (ኤፌ. 5፡15) ኣብ ዝኃለፈ ዓመት ነቲ ዝተዋህበና ጊዜ ብምሉኡ ኣብ ረብሓ ብዘይምውዓልና ሕልናና ዝኸሰሰናን ዝፈረደልናን ‘ከምዚ ኢለ ክሳዕ መዓስ፧‘ ንበል! ነዚ ሓድሽ ዓመት እግዚአብሔር ብምሕረቱ ሓድሽ ጊዜ ከምዝሃበና ፈሊጥና ብሩህ ናይ ዓወት ጊዜ ንምግባር ምስ ርእስና ቃል ኪዳን ንእቶ። 
 

ነቲ ዝተዋህበና ጊዜና ብምሉኡ ኣብ ረብሓ እናኣውዓልና በረኸት ሥጋን በረኸት ነፍስን ኽንረክብ ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ ፍቃድ ይኹን፣ ጸሎት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ናይ ኵሎም ቅዱሳንን ኣይፈለየና! 
 

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

No events found.
Ad Right

ዜና ኅትመት

እዋናዊ ጽሑፋት

ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ 

'ኣብ ወርኂ ታኅሣሥ ዕለቱ ሰኑይ፡ ሰዓቱ ሰዓት ፫ተ ብግዕዝ (9ተ)፡ ኣብ ቅድሚ ታቦተ ጽዮን ኣክሱም ደው ኢሉ ድምፁ ዓው ብምባል...

“ተዘከረኒ እግዚኦ አመ ትመጽእ በመንግሥትከ።/ ጐይታይ ብመንግሥትኻ ክትመጽእ ከሎኻ ዘክረኒ።”…

እቲ ብየማን ጐይታ ተሰቒሉ ዝነበረ ሽፍታ (ፈያታዊ ዘየማን)፡ ደመ ማኅተምን መርኆ ድኅነትን ተዋሂቡ ንኣቦና ኣዳም ቀዲሙ ናብ ገነት ከምዝኣተወ ቅዱሳት...

“ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ኣብ ሕሊና ኣምላኽ…

እዚ ቓል’ዚ ኣብ መቅድም ተኣምረ ማርያም ዝርከብን ወትሩ ዝንበብን ኮይኑ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቅድሚ ንዓለም ምፍጣሩን ዘመን ምቝጻሩን፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል...

ቅዱስ ኣትናቴዎስ

ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከምዝሕብሮ፡ ድኅሪ ዘመነ ሓዋርያት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብ ዝተፈላለየ ዘመናት ብደገ ብዓላውያን ነገሥታት፡ ብውሽጢ ድማ ብናይ ጽርኣውያን...

ርክበ ካህናት

“ርክበ ካህናት” ማለት ናይ ካህናት መራኸቢ፡ ጉባኤ፡ መተኣኻኸቢ፡ መዛተዪ . . . ወዘይመስሎ ዝብል ትርጕም ኣለዎ። ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ዓመታዊ...

ናባይ ንዑ፡ ኣነ ኸኣ ከዕርፈኩም እየ! (ማቴ. 11፡28)

ክታብ ካብ ኣልፋ ወዖ እግዚአብሔር ኣምላኽ! ኣኽቢረ ብኣርኣያይን ብኣምሳለይን ዝፈጠርክኹም ደቀይ! ቅድሚ ኵሉ ሰላመይ ምስ ኵላትኩም ይኹን! ቅድሚ ሕጂ ብዙኅ ደብዳቤታት ሰዲደልኩም...

አሥርቆት ዘወርኀ ግንቦት

ዮም ሠረቀ ለነ ወርኀ ቡሩክ ግንቦት ያብጽሐነ እስከ ወርኀ ሰኔ በሰላመ እግዚአብሔር! ወርኀ ግንቦት ቡሩክ መዓልቱ ፲ወ፬ቱ ሰዓት ወእምዝ ይትዌስክ። ሎሚ...

ባሕቲ ግንቦት፡ ልደተ ማርያም

ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ዝነበረት፣ ገና ከይተወልደት ትንቢት ዝተነግረላ፡ ሱባኤ ዝተቘጽረላን ምሳሌ ዝተመሰለላን እያ። ሊቀ...

ዮም ፍሥሐ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም/ ሎሚ ብልደት ቅድስት ድንግል…

ልደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሃንደበታዊ ኣይኮነን። ካብ ፅንሰታ ክሳዕ ልደታ ኵሉ መስተንክር እዩ። ትንቢት ዝተነግረሉ፡ ሱባዔ ዝተቘጽረሉ፡ ምሳሌ ዝተመሰለሉ...

“ሓዋርያ ኣፍሪቃ - ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ”

ሓደ ካብ ጸሓፍቲ ኣርባዕቱ ወንጌል ቅዱስ ማርቆስ እዩ። ‘ዮሐንስ’ ዝብል ኻልኣይ ስም (ግብ. 13፡13) እኳ እንተሃለዎ ፍሉጥ ግና ‘ማርቆስ’ ዝብል...

ጸሎት ምእንቲ ዝሓመሙ ሰባት

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ለምኑ ክወሃበኩም እዩ፡ ድለዩ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾ ኳሕኵሑ ክረሓወልኩም እዩ” (ማቴ. 7፡7) ዝበሎ ኣምላካዊ ቃሉ መሠረት...

  

latest articles

Tsinset (Annunciation – Feast of Incarnation)

In accordance with the cannon of the Church, one of the nine major feast days of Our Lord. it Tsinset (Annunciation...

The feast of presenting the lord Christ in the temple…

On this day we celebrate the feast of presenting the lord Christ to the temple after 40 days of his...

The Fast of Nineveh - Monday 10 – 12 February…

In Eritrean Orthodox Tewahdo Church, one of the seven fasting periods is the fast of Nineveh.

Mystery of Baptism

Baptism is the sacrament given to all who believe in the Mystery of the Trinity and the Mystery of Incarnation...

Mystery of Incarnation

Mystery of Incarnation means the mystery of the descending of God the Son who is one of the Trinity from...

Mystery of the Holy Trinity

The Eritrean Orthodox tewahdo Church has Five pillars of Mysteries through which it teaches and demonstrates its basic religious belief...

Welcome to the Feast of the Nativity of Our Lord…

Glory to God. When the appointed time of salvation and the foretold prophesies came to pass, God the Son come to...

In Memory of His Holiness Abune Yacob the Second Patriarch…

His Holiness Abune Yacob, the Second Patriarch was one of the reputable leaders of the EriOTC, a shining star of...

Fast of the Prophets (Advent)

15th November (geez calander), marks the first day of the Advent Fast, a period of abstinence and penance practiced by...

FASTING

Fasting is abstinence from all things that a body needs, and one has to fast from animal products and from...

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church (EriOTC)

In the name of the Father, and of the Son, and of the Holy Spirit, One God. “We call our...

Holy of Holies Our Lady, the virgin Mary

The word holy (kidus) in Geez denotes being special, pure and esteemed. This prefix is an attribute to denote the...