Print this page

ክብረ በዓል ቅዱሳን ነገሥታት ኣብርሃ ወኣጽብሓ ብመንፈሳዊ ድምቀት ተባዒሉ!

Oct 17, 2019

ዓመት መጸ ዝኸብር ክብረ በዓል ቅዱሳን ነገሥታት ኣብርሃ ወኣጽብሓ ዕለት 04 ጥቅምት ኣብ ብስሞም እትጽዋዕ ኣብ ከባቢ ኣሥመራ ኣብ ዓድ ለሰም ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ዋና ኣመኃዳሪ መንበረ ፓትሪያርክ ብፁዕ አቡነ ባስልዮስ፡ ካህናትን ዲያቆናትን፡ መነኮሳትን መነኮሳያትን፡ ምእመናንን ምእመናትን አብ ዝተረክቡሉ ተኸቢሩ ውዒሉ።


ካብ ዋዜማ ሰዓት 12፡00 ድ.ቀ. ዝጀመሩ ቃል ኣምላኽ ሓጐስ ልቦም (መዝ. 118፥111) ዝኾኑ ሊቃውንት ኣቦታትን መምህራንን ተማሃሮን ክሳዕ ዕለተ በዓል ሰዓት 6፡15 ቅ.ቀ ሥርዓተ ማኅሌት ኣብጺሖም። ብድኅር’ዚ ብመራሕነት ብፁዕ ኣቡነ ባስልዮስ ሥርዓተ ቅዳሴ በጺሑ።

ድኅሪ ጸሎተ ቅዳሴ ሰዓት 8፡30 ቅ.ቀ ብብፁዕ ኣቦና፣ ሊቃውንት መዘምራን፡ ውሉደ ክህነትን ትምህርቲ ሰንበትን ኣቦታትን ኣዴታትን እናተዓጀበ ታቦት ምስ ዖደ፡ ነቲ በዓል ዝምልከት ለዘብ (ወረብ) ብመምህር ኣቋቋም መምህር ሰሎሞን ቀሲስ ተስፋማርያም ተማሂሮም ዘጠናቐቑ ቀሪቡ። ብድኅር’ዚ ብመምህር ክነፈ ርግብ ማርቆስ ትምህርተ ወንጌልን ታሪኽ ቅዱሳን ነገሥታት ኣብርሃ ወኣጽብሓ ኣስሚዖም።

ብምቕጻል ብብፁዕ ኣቦና ኣቡነ ባስልዮስ ነቶም ኣብዚ ቤተ ክርስቲያን ዝርከብ መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ ኣቋቋም ካብ መምህር ሰሎሞን ቀሲስ ተስፋማርያም ተማሂሮም ዘጻፈፉ 18 ተመሃሮ 3ተ ብመምህርነት ዝተረፉ ድማ ብመሪጌታነት ሰርተፊኬት ተዋሂቦም።

ብፁዕ ኣቦና ነቶም ተመረቕቲ ብዝተመሃርዎ ትምህርቲ ብትሕትናን ትግሃትን ንቤት ክርስቲያን ከገልግሉ ሓደራን ምዕዶን ሂቦም። ኣብ መወዳእታ ብተመሃሮ ኣብዚ ክበጽሑ ብንዋቶምን ብገንዘቦምን ዝሓገዝዎም ገበርቲ ሠናይ ምስ ኣመስገኑ፡ ብጸሎትን ምህላን እቲ በዓል ተፈጺሙ። 
ከም ዝፍለጥ ቅዱሳን ነገሥታት ኣብርሃ ወኣጽብሓ ኣብ ምድረ ኣግዓዚ ትምህርተ ክርስትና ንኽሰፍሕ፡ ሥርዓተ ኣምልኾን ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያንን ውን ንክምሥረት ብምጽዓሮምን ብዝገበርዎ ተጋድሎን ኵሉ ጊዜ ዝዝከሩ ኮይኖም ብፍላይ ድማ ኣብ ዕለተ ዕረፍቶም 04 ጥቅምት ዓመታዊ ክብረ በዓሎም ይብዓል።