Print this page

ምድላው ክዳውንቲ 5ይ ፓትርያርክን ተፈጺሙ!

Jun 11, 2021

ብደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ድምያና በራሪ ሃገረ ግብጽ ኣልባሳት 5ይ ፓትርያርክ ብልዑል ጻዕሪ ኣብ ሓጺር እዋን ተዳልዩ፡ ብዕለት 4 ሰነ 2013 ዓ.ም.ግ. ቅዱስ ሲኖዶስ ተወከልቲ ሃገር ስብከት ኤውሮፓ ኣብ ዘለውዎ ብመንገዲ እማሆይ ወለተ ሥላሴ ንብፁዓን ኣቦታት ተረኪቡ።

ከምኡ’ውን ብሃገር ስብከት ኤውሮፓ ብወገኖም ሙሉዕ ልብሲ 5ይ ፓትርያርክን፡ ልብሲን መሳቅልን ኵሎም ኣቦታት ተዋህበ፡ ብምቅጻል ደብረ ደናግል ሰማዕት ቅድስት ኣርሴማ ብሂደት ኣቕሙ ሙሉዕ ልብሲ ጳጳስን መስቀልን 5ይ ፓትርያርክ፡ መሳቅል ናይ ኢድን ናይ ክሳድን ንኵሎም ጳጳሳት ኣብቲ ዕለት ኣወፊየን።

ከም መግለጺ ሓጐሶም ሃገረ ስብከታት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን፡ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳን ብሓባር 23 ሺሕ ዶላር ንቅዱስ ሲኖዶስ ኣወፊዮም።