በእንተ ምትረተ ርእሱ ለዮሐንስ መጥምቅ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ

 ናይ ዘመነ ብሉይ ዛዛሚ ናይ ዘመነ ሓዲስ ድማ ጀማሪ ኾይኑ ካብ ዘመነ ብሉይ ናብ ዘመነ ሐዲስ ፡ ካብ ነቢያት ናብ ሐዋርያት ዘሰጋገረ ዓቢይ ድንድል ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቅ እዩ። ዕለተ ዕረፍቱ 2 መስከረም እዩ።

ሥድራ መጥምቀ መለኮት ዮሐንስ ኣቦኡ ካህን ዘካርያስን ኣደኡ ቅድስት ኤልሳቤጥን ክልተኦም ብሕጊ እግዚአብሔር ጸኒዖም ብፍቕርን ብስኒትን ብምክብባርን ብምትሕልላይን ካብ ኃጢኣት ርሒቖም ብንጽሕና ዝነብሩ ቅዱሳን ሰባት ነበሩ። ከምዚ ዓይነት ጽብቕ ሕይወት ክነብሩ ኸለዉ ግና ኣዴና ቅድስት ኤልሳቤጥ መኻን ስለዝነበረት ውላድ ኣይነበሮምን።

 ካህን ዘካርያስ ኣብ ቤተ መቕደስ ከምቲ ልምዲ ኻህናት ጸሎተ ዕጣን የብጽሓሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ መልኣከ እግዚአብሔር ብወገን የማን እቲ መሠውዒ ዕጣን ቆይሙ ተራእዮ። ካህን ዘካርያስ ፈርሀ፡ እቲ መልኣኽ ግና “ዘካርያስ ጸሎትካ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር በጺሑ እዩ’ሞ ኣይትፍራሕ ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ክትወልደልካ እያ፡ ስሙ ኸኣ ዮሐንስ ኢልኻ ክትሰምዮ ኢኻ፡ ነዓኻ’ውን ፍጹም ሓጐስ ክዀነልካ እዩ፣ ብልደቱ ኸኣ ብዙኃን ክሕጐሱ እዮም። ወይንን ሜስን ዘስክር ኮነ ዘየስክር መስተ ኣይክሰትን’ዩ ካብ ማሕፀን ኣደኡ ጀሚሩ መንፈስ ቅዱስ ዝኃደሮ እዩ። ንሱ ካብ ደቂ እስራኤል ንብዙኃን ብትምህርቱ ካብ ኣምልኮተ ጣዖት ናብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር ካብ ገቢረ ኃጢኣት ናብ ገቢረ ጽድቅ ኪመልሶም እዩ። ከምኡ’ውን ንልቢ ኣቦታት ናብ ውሉድ፡ ንሕሊና እቶም ዘይእዙዛት ድማ ናብ ኣእምሮ ጻድቃን ኪመልስ፡ በቲ ነቢይ ኤልያስ ተመሪሑ ዝሠርሐሉ ዝነበረ ኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ቀቅድሚ ጐይታ ክኸይድ እዩ።” በሎ።

ዘካርያስ ከኣ ነቲ መልኣኽ፡ “ኣነ ሸምጊለ እየ ሰበይተይ ከኣ መዋዕላ ኃሊፉ’ዩ እዚ ዅሉ ዝበልካኒ ከም ዝኸውን ብምንታይ ክፈልጥ’የ፧” በሎ። ሽዑ እቲ መልኣኽ “ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቐውም ገብርኤል እየ፡ እምበኣርከስ ዘረባይ ስለዘይሰማዕካኒ እዚ ዅሉ ክሳዕ ዚፍጸም ዓባስ ክትከውን፡ ምዝራብ’ውን ክትስእን ኢኻ” በሎ። ድኅር’ዚ ጸሎተ ዕጣን ፈጺሙ ምስ ወፅአ ከምቲ መልኣከ እግዚአብሔር ዝበሎ ዓባስ ኮይኑ ስለዝነበረ ብኢዱ እናመልከተ ኪሕብሮም ጀመረ። መዓልትታት ኣገልግሎቱ ፈጺሙ ናብ ቤቱ ኣተወ፡ ድኅሪ ኽልተ መዓልቲ ሰበይቱ ኤልሳቤጥ ጸነሰት። ምእንቲ ክብሪ ጸሎተ ዕጣን ድኅሪ ኽልተ መዓልቲ ሕጋዊ ርክብ ፈጸሙ፡ ሎሚ’ውን እንተኾነ ምእንቲ ኽብሪ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ቅድሚ ቝርባን ሠለስተ መዓልቲ ምሕላው ይግባእ። (1ይ ሳሙ. 21፡1-6) ድኅሪ ቍርባን ከኣ ኽልተ መዓልቲ ምኽልካል ይግባእ። (ሉቃ. 1፡24)

ስለዚ መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ኪጽነስ ከሎ ኣፍ ኣቦኡ ዝዓጸወ ኪውለድ ከሎ ድማ ኣፍ ኣቦኡ ዘርኃወ ቅዱስ ኣቦ እዩ። ከምኡ’ውን ናይ ሽድሽተ ወርኂ ጽንሲ ኸሎ ንድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ ከም ዝኾነት ፈሊጡ ናይ ጸጋ ስግደት ሰገደላ። (ሉቃ. 1፡41) እቲ ‘ኣንፈርዓፀ’ ዝበሎ ኃይለ ቃል ቅዱሳን ሐዋርያት ኣብ ሲኖዶስ፡ ቅዱስ ያሬድ ከኣ ኣብ ድጓ ሰገደ ኢሎም ተርጕሞምዎ ኣለዉ።
እዚ ኣብ ማሕፀን ኣደኡ ናይ 6 ወርኂ ጽንሲ ኸሎ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ስግደት ዝሰገደ፡ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲተ አምላኽ ድማ ናይ ጸጋ ስግደት ዝሰገደ መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ዕለት 30 ሰኔ ተወልደ።

ካህን ዘካርያስን ቅድስት ኤልሳቤጥን ቅኑዓትን ሕያዎትን መኽበርቲ ሕጊ እግዚአብሔርን ከምዝነበሩ፡ እንተኾነ ግና መኻናት ስለዝኾኑ ውላድ ከምዘይነበሮም ተገሊጹ። ውፅኢት ፍቕሮምን ቅንዕንኦምን ትዕግሥቶምን ድማ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንመጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ሃቦም። ሕጂ’ውን እንተኾነ ሕዝበ እግዚአብሔር ከምዚ ዓይነት ጸገም ምስ ዘጋጥመና ብፍቕርን ብስምምዕን ብምትሕልላይን ተስፋ ብዘይ ምቝራጽን ጸግዕና ናብ እግዚአብሔር ብምግባር ብምሉእ ልብና ተመባጺዕና እንተ ደኣ ለሚንናዮ ንካህንን ዘካርያስን ንቅድስት ኤልሳቤጥን ሽግሮም ዝፈትሐ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ሽግርና ከምዝፈትሐልና ዘየጠራጥር እሙን ነገር እዩ። ብዙኃት ምእመናን’ውን ኣብ ደብረ ሲናን ኣብ ከም በዓል ደብረ ሲና ዝኣመሰላ ገዳማትን ኣድባራትን ተመባጺዖም ጸገሞም ከም ዝተፈትሓሎም ኣብ ዘመና ዝረአ ሕያው ታሪኽ’ዩ።

ድኅር’ዚ መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ከምቲ ቅዱስ ወንጌል ዝብሎ ካብ ልደቱ ኣብ መበል ሻሙናይ መዓልቱ ኪገዝርዎ መጽኡ። (ሉቃ.1፡59) ብስም ኣቦኡ ከኣ ዘካርያስ ኢሎም ሰመይዎ። ኣብ ዘመነ ኦሪት ዝነበሩ ሰባት ኣብ ሻሙናይ መዓልቲ ይገዝርዎምን ይሰምይዎምን ነበሩ። ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድማ ንወዲ ኣብ 40፡ ንጓል ኣብ 80 መዓልቶም ስም ይወሃቦም። እዚ ሕጂ ብዕለተ ጥምቀት ዝወሃብ ስም ግና ብዘይካ ካህን ዝኾነ ይኹን ስም ኪሰሚ ሥልጣን የብሉን።

ድኅር’ዚ ኽልተ ዓመት ተፈጺሙ ሰብኣ ሰገል ኃሊፎም ሄሮድስ ነቶም ሕፃናት ምስ ቀተሎም ብምኽንያት ወዱ ንካህን ዘካርያስ ኣብ ሄሮድስ ከሰስዎ። ኣብ ጊዜ ጽንሲ ኣፍ ኣቦኡ ዚዓጸወ ኣብ ጊዜ ልደቱ ኸኣ ኣፍ ኣቦኡ ዝኸፈተ ዮሓንስ ወዲ ዘካርያስ ኣሎ ኢሎም ነገርዎ። ዘካርያስ ድማ ንወዱ ዮሓንስ ኣብ ውሽጢ ቤት መቕደስ ኣብ ልዕሊ እታ ክንፍ መሠውዒ ኣቐመጦ። እቶም ወተሃደራት “ኣበይ ጌርካዮ፧” በልዎ፡ “ኣብ ውሽጢ መቕደስ ኣቲኹም ባዕልኹም ውሰድዎ” በሎም። ንቅዱስ ዮሓንስ ኪወስድዎ ኢሎም ምስ ኣተዉ፡ መልኣኸ እግዚአብሔር መንዚዑ ወሲዱ ንቅድስት ኤልሳቤጥ “ንገዳመ ሲና ኂዝክዮ ኺዲ” ኢሉ ሃባ።

ሠራዊት ሄሮድስ ከኣ ንቅዱስ ዮሓንስ ምስ ሰኣንዎ ንካህን ዘካርያስ ኣብ መንጎ ቤተ መቅደስን መሠውዕን ሰየፍዎ። ሽዑ እግዚአብሔር ብጥበቡ ንሥጋኡ ሠወሮ፡ ደሙ ግና እቲ ፈዳይ ሕነ ጥጦስ ክሳዕ ዝመጽእ ትጠርዕ ነበረት። ሕፃን ቅዱስ ዮሐንስ ድማ ምስ ኣደኡ ቅድስት ኤልሳቤጥ ሾብዓተ ዓመት ጸንሐ፡ ድኅሪኡ ኣደኡ ዓረፈት። ክሳዕ ኣብ እስራኤል ብትምህርቲ ዚግለጽ ኣብ በረኻታት ሲና ዓበየ።

“በቲ ወርኃት እቲ ዮሓንስ መጥምቅ ኣብቲ ናይ ዮርዳኖስ በረኻ ይሁዳ መንግሥተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ’ሞ ተነስሑ እናበለ” መጽአ። እዚ ድማ እቲ ብነቢይ ኢሳይያስ “ጐደና እግዚአብሔር ጽረጉ፡ መንገዱ’ውን ኣቕንዑ፡” ኢሉ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ኣዋጅ ነጋሪ ተባሂሉ ዝተነግረሉ እዚ ዮሐንስ መጥምቅ እዩ። (ኢሳ. 40፡3) ክዳን ዮሐንስ ካብ ጸጕሪ ገመል፡ ዕጣቑ ድማ ፈልቍ ቈርበት፡ ቀለቡ ኸኣ ኣንቦጣን መዓር በረኻን ነበረ። ሽዑ ዅላቶም እቶም ሰብ ኢየሩሳሌምን ሰብ ይሁዳን ኣብ ከባኢ ዮርዳኖስ ዘለዉን ናብኡ ይኸዱ’ሞ ኃጢኣቶም እናተናዘዙ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ የጥምቖም ነበረ። ካብ ወገን ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ድማ ምስቲ ሕዝቢ ተሓዊሶም ናብ ጥምቀቱ ኪመጽኡ ምስ ረኣዮም “ኣቱም ውሉድ ኣትማን ካብቲ ዝመጽእ መከራን መቕሠፍትን ስቃይን ክትመልቁ’ ኸ መን ሓበረኩም፣ እምበኣርከስ ንንስሓ ዚበቅዕ ጽቡቕ ሥራሕ ሥርሑ” በሎም። ኣብርሃም ዝኣክል ኣቦ ከለናስ ውሉድ ኣትማን ክብለና ከምዝብልዎ ፈሊጡ “ግብሪ ኣብርሃም እንተ ዘይጌርኩም ደቂ ኣብርሃም ኢና ብምባል ጥራይ እትድኅኑ ኣይምሰልኩም፡ እግዚአብሔር ንኣብርሃም ካብዘን ኣእማን ውሉድ ከተንሥኣሉ ከምዝኽእል እብለኩም ኣሎኹ” ኢሉ ኣትሪሩ ወቐሶም።

እምበኣርከስ ካብዚ ኃይለ ቃል እዚ እንታይ ኢና ንመሃር፧ ብዘይካ ብምሕረት እግዚአብሔር ብጸሎት ቅዱሳንን እንተዘይኾይኑ ብዋላ ሓደ ክንምካሕ ከምዘይግብኣና እዩ። ብሃብትና፡ ብጥበብና፡ ብኃይልና፡ ብሥልጣና ትምክሕቲ እንተ ኣሊና ግና ንድኅሪት ተመሊስና ጠባይ ናይዞም ውሉድ ኣትማን ዝተባህሉ ሰባት ለቢስና ኣሎና ማለት እዩ፡ ንሳቶም ደቂ ኣብርሃም ከለዉ ግብሪ ኣብርሃም ብዘይምስዓቦም ከምዝተወቕሱ ንሕና’ውን ኦርቶዶክሳውያንን ተዋሕዶ ከለና ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ሃይማኖት እትእዝዞ ሕግን ሥርዓትን እንተዘየማሊእና ዘለዓለማዊ መቕጻዕትን ወቐሳን ከምዘሎና ክንዝንግዕ የብልናን።

“እንሆ ማሕጸ ናብቲ ጕንዲ ኦም ተነቢሩ ኣሎ” ማለቱ ሥልጣነ እግዚአብሔር ካብ ኣብርሃም ኪፈልየኩም ተዳልዩ ኣሎ ዝብል መልእኽቲ ኣመኃላለፈ። “ኣነስ ንእኡ ምእንቲ ክትቅበልዎ ብማይ ንስሓ ኣጥቐኩም ኣለኹ” ድማ በለ። እቲ ድኅረይ ዚመጽእ ግና ካባይ ይኅይል እዩ ሕራይ እንተበልክምዎ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ከጥምቐኩም’ዩ እንተ ኣቤኹም ግና ብገሃነመ እሳት ክቐጽዓኩም’ዩ፡ ዓውዱ ዘጽርየሉ መስአ ኣብ ኢዱ ኣለዎ ነቲ ሥርናይ ኣብ ቆፎኡ ይእክቦ፡ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ከንድዶ እዩ። እዚ ማለት ከኣ ነቶም ከም ሥርናይ ጽሩይ ሥነ ምግባር ዘለዎም ምእመናን መንግሥተ ሰማያት ከውርሶም ከሎ፡ ነቶም ንሰብነቶም ኣብ ሓሰር ኃጢኣትን ኣብ ክርዳድ ተንኰልን ዘዋፈሩ ሰባት ከኣ ኣብ ገሃነመ እሳት ኣብቲ ናይ ዘለዓለም ሥቓይን መከራን ከምዚድርብዮም እዩ ዚገልጽ።

በቲ ጊዜ’ቲ ጐይታና ኢየሱስ ወዲ 30 ዓመት ምስ ኮነ፡ ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ብኢድ ዮሓንስ ኪጥመቅ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጽአ። መጥምቀ መለኮት ዮሐንስ ንመድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ኣጥሚቑ መንፈስ ቅዱስ ብምስሊ ርግቢ ኣብ ርእሱ ኪዓልብ ረኣየ፣ “እንሆ እቲ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ዘፍቅሮ ወደይ እዚ እዩ” ዝብል ድምፂ’ውን ሰምዐ። ክሳዕ’ዚ ዕለት’ዚ ብዛዕባ ንስሓ ኣርእስቲ ጌሩ ቅድሚ ጐይታ 6 ወርኂ ዝመሃረን ዝገሠጸን መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ዓመጸኛ ንጉሥ ሄሮድስ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣእተዎ። ጐይታ ኢየሱስ ሽዑ ዮሐንስ ምስ ተኣስረ ትምህርቲ ጀመረ (ማቴ. 4፡12-17) ቅዱስ ዮሐንስ ዝተኣስረሉ ምኽንያት ብዛዕባ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ እዩ። ሰበይቲ ኃውኻ ፊልጶስ ከተእቱ ኣይግብኣካን እዩ ኢሉ ኣትሪሩ ተቓወሞ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ሄሮድስ ንሄሮድያዳ “እዚ ነቢይ ከይወቕሰኒ ኢለ እየ እምበር ብሓቂ እየ ዘፍቅረኪ” በላ። ንሳ ድማ እዚ ደኣ’ሞ እንታይ ግድኻ ዕለተ ልደትካ እተኽብረሉ መዓልቲ ቐሪቡ እዩ፡ ጓለይ ኣብኡ መጺኣ ትሳዕስዓልካ ንስኻ ኸኣ ዝለመንክኒ ክህበኪ እየ ኢልካ ቓል እተወላ፡ ንሳ ኸኣ ርእሲ ዮሐንስ ቈሪጽካ ሃበኒ ክትብለካ እያ” በለቶ። “ርእሲ ዮሓንስ ቈሪጽካ ትህባ ንሕና ድማ ሓሳብ ልብና ንፍጽም” በለቶ። ሽዑ ሄሮድስ ሠባብሕቲ ሓሪዱ፡ ሜስ ኣድሪቑ፡ ክንደይ ዓበይትን መኳንንትን ኣኪቡ ይሕጐሰሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ጓል ሄሮድያዳ መጺኣ ሳዕሰዐትሉ፡ ንሱ ድማ “ዝለመንክኒ ክሳዕ ፍርቂ መንግሥተይ ክህበኪ እየ፡” ኢሉ ቓል ኣተወላ። ሽዑ ተመሊሳ ኸይዳ ነዲኣ ሓተተታ፡ ኣደኣ ድማ “ርእሲ ዮሓንስ ቈሪጽካ ሃበኒ በልዮ” ኢላ መኸረታ፡ ንሳ ኸኣ ኣደ፡ “ርእሲ ዮሓንስ ኣይለሓስ ኣይቅመስ፡ እንታይ ክኾነና” በለታ። ኣደኣ ኸኣ ርእሲ ዮሐንስ እንተ ደኣ ተቘሪጻ መንግሥትነቱ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽርና ምዃኑ’ዩ ኢላ ኣእሚና መኺራ ሰደደታ።

ብመሠረት እቲ ዝተዋህባ ምኽሪ ከይዳ “ርእሲ ዮሓንስ ቈሪጽካ ሃበኒ” በለቶ። ‘ወተከዘ ንጉሥ በእንተ መሐላሁ ወበእንተ እለ ይረፍቁ ምስሌሁ’ ከምዝብል፡ ንጉሥ ሄሮድስ፡ እቶም ምስኡ ረፊቖም ዝነበሩ ‘ቃሉ ለዊጡ ማሕላኡ ኣፍሪሱ’ ፡ በቲ ሓደ ወገን’ውን ‘ነቢየ እግዚአብሔር ኣቕቲሉ’ ኪብሉኒ እዮም ኢሉ ተከዘ። ተኪዙ ኣይተረፈን ሽዑ ወተሃደራት ልኢኹ ‘ርእሲ ዮሓንስ መጥምቀ መለኮት ቈሪጺኩም ሃብዋ’ ኢሉ ኣዘዘ። እቶም ዝተኣዘዙ ወተሃደራት ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ ርእሱ ቘሪጾም ኣብ ጻሕሊ ጌሮም ሃብዋ። ንሳ ኸኣ ወሲዳ ነዲኣ ሃበታ፡ ኣዲኣ ድማ ትሰፊ ነበረት’ሞ “ኣንቲ ንጉሥን ንግሥትን ክትዘልፊ ዘይትሓፍሪ ዝነበርኪ ልሳን ዮሓንስ ሕጂዶ ብሞት ተኣሲርኪ” ኢላ በቲ ዝኃዘቶ መስፈ እንተ ተንከፈት እታ ርእሲ ክልተ ክንፊ ኣውፂኣ፡ ነቲ ሕንፃ ኣዳራሽ ሰንጢቃ ነፊራ ከደት። ጐይታ ኣብ ደብረ ዘይት እናመሃረ ኸሎ ከይዳ ሰገደትሉ፡ ጐይታ ድማ ርእሲ ዮሓንስ “በዚ ዘለኽዮ ጸኒዕኺ መሃሪ” ኢልዋ፡ “ሰበይቲ ኃውኻ ከተእቱ ኣይግባእን እዩ” እናበለት 15 ዓመት ዘይራ ምሂራ፡ ኣብ ብሔር ዓረብያ ዓረፈት። ነጋዶ ኪኃልፉ ኸለዉ ከም ዕንቍ ከተብርህ ርእዮምዋ ንደቀ መዛሙርቱ ርእሲ መምህርኩም ወዲቓ ኣላ ኢሎም ነገርዎም’ሞ ንሳቶም ድማ ወሲዶም ቐበርዋ። ማቴ. 14፡10

ንሳተንከ ከመይ ኮና እንተበልና ኣደን ጓልን ሓጐሰን ኪገልጻ ኪኸዳ ኸለዋ ንሄሮድያዳ ምድሪ ተኸፊታ ወሓጠታ፡ እታ ጓላ ድማ ርእሳ ኂዛ ተረፈት። ድኅሪኡ ናብ ሄሮድስ ከይዳ “ሰበይቲ ኃውኻ ፊልጶስ ከተእቱ ኣይግብኣካን እዩ” በለቶ። ንሱ’ውን “ቅድም ኣብ ዘይነገረይ ኣእትየናኒ፡ ሕጂ ኸኣ ምሥጢር ኣውፂኤናለይ” ኢሉ ብሴፍ ኪስይፍዋ ኣዘዘ። ዝተኣዘዙ ወተሃደራት ኣብ ገምገም ቀላይ ኮይኖም ብሴፍ ምስ ወቕዕዋ ኣብቲ ቐላይ ወደቐት’ሞ ኣንበሪ ተቐቢሉ ወሓጣ።

ሄሮድስ’ኸ ከመይ ኮነ እንተበልና ‘ኣርጣ’ ዝስሙ ሓሙኡ፡ “እዝስ ንጓለይ ብኣመናዝር ከርግጻ” ኢሉ ካብ ገሊላ ገለ ዓድታት ኣቃጺሉ ኸደ። ሽዑ ንጉሠ ነገሥት ቄሳር ነዚ ሰሚዑ፡ እዚ ዅሉ ግዝኣተይ ከምዝድፈር ዝገብር ዘሎ ሄሮድስ’ዶ ኣይኮነን ኢሉ ናብ ከተማ ሮሜ ኣምጺኡ ካብ ሥልጣኑ ስዒሩ እንድልኩ ናብ እትበሃል ዓዲ ኣሲሩ ሰደዶ። ኣብኡ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሓሲኹ ጨንዩ ተበላሽዩ ብሕማቕ ኣማውታ ሞተ። እምበኣርከስ ሄሮድስ ከምቲ ቅዱስ ያሬድ ዝበሎ ፡ “ርእሲ ዓቢይ መምህር ካብ ዘቝርጽ ማሕላኡ እንተዚጠልም ምኃሾ ነይሩ። እንተኾነ ግና እቲ ኵሉ ኃዘንን ትካዘን ንሰብ ይምሰል ደኣ እምበር ብሓቂ ካብ ሕሊና ዝተበገሰ ኣይነበረን። መወዳእታኡ ኸኣ ካብ ሥልጣኑ ተሳዒሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዩ ጨንዩ ተበላሽዩ ብዘስካሕኽሕ ስቅያት ሞተ።

ሄሮድያዳ ምስ ጓላውን እንተኾነት ከምቲ ኣቦታት ዚብልዎ “ዓሻን ከልብንሲ ዝበልዕዎ ደኣ እምበር ዝበልዖም ኣይርእዩን እዮም” ከም ዝበሃል፡ ዘይረሃጸትሉ ሃብትን መንግሥትን ክትውንን ክትብል ድርብ ክሳራ ከሲራ ኣብ መከራን ስቓይን ተሸሚማ ጠሓለት።

“ንሕናኸ ሕዝበ እግዚአብሔር ካብዚ እንታይ ንመሃር፧” ሄሮድስ ይኹን ሄሮድያዳ ምስ ጓላ፡ ተንኰል ምሂዞም ብኽፍኣት ተሰማሚዖም ኣጸያፊ ዝኾነ ታሪኽ ፈጺሞም ናይ ክልተ ዓለም ስደተኛታት ኮኑ። ንሕና’ውን ካብ ሰብ እንተተኃባእና ካብ እግዚአብሔር ኣይንኅባእን ኢና’ሞ ረቂቕ ምሥጢር ተጠቒምና ኢልና ንሰባት ክንጐድእ እንተተበጊስና ኣብ ልዕሊ ሄሮድስን ሄሮድያዳ ምስ ጓላን ዝወረደ ስቅያትን መቕሠፍትን ጊዜኡ ሓልዩ ኣባና ከምዚፍጸም ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ብሓቂ ዝተጓዕዘ መጥምቀ መለኮት ዮሐንስ ብሥጋ እኳ ንጊዜኡ እንተ ተሰየፈ ኃይሊ እግዚአብሔርን ሓቅነቱን ንኺግለጽ ድኅሪ ምስያፉ 15 ዓመት ምሂሩ እዩ ዝዓረፈ። ብዓለመ ነፍሲ ኸኣ ኣብታ ናይ ዘለዓለም ጸጋን ክብርን ሰፊንዋ እትነብር ዓለመ ክብር መንግሥተ ሰማይ ወሪሱ ይነብር።

በረኸት ቅዱስ መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ምስ ኵልና ይኹን!

እዚ ጀሚርናዮ ዘለና ዓመት፡ ዓመተ ሰላም፡ ጽድቅ ወበረከት ይግበረልና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!